ርእሰ ምምሕዳር ደስታ ሌዳሞ ምስ ዶብ ተሳገርቲ ወለንታውያን መናእሰይ ተዛትዮም

ኣዲስ ኣበባ፣ 29 ሰነ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ርእሰ ምምሕዳር ደስታ ሌዳሞ ምስ ዶብ ተሳገርቲ ወለንታውያን መናእሰይ ተዛትዮም፡፡

እቶም ርእሰ ምምሕዳር ኣብ ቤት ፅሕፈቶም ምስ እቶም መናእሰይ ኣብ ዝነበሮም ፃንሒት ኣብ ዝኸድዎ ኩሉ ሓድነት ንክሰብኩን ሰናይ ተግባራት ንክሰርሑን ኣተሓሳሲቦም።

እቶም ዶብ ተሳገርቲ ወለንታውያን መናእሰይ ምስ መናእሰይን ኣባፅሕን ከተማ ሃዋሳ ብምዃን መርሃ ግብሪ ተኸላ ፈልሲ፣ፅርየት ከተማን ልገሳ ደምን ከምዘካየዱ ካብ ኮሙኒኬሽን ቤት ፅሕፈት ርእሰ ምምሕዳር እቲ ክልል ዝረኸብናዮ መረዳእታ የመላኽት፡፡

ብካሊእ መዳይ እቶም ርእሰ ምምሕደር ምስ ኣምባሳደር ፊንላንድ ኦቲ ሆሎፓይነን ኣብ ትምህርቲ፣ኣብ ግልጋሎት ዝስተ ፅሩይ ማይን ኣብ ጉዱኣት ኣካል ብሓባር ንምስራሕ ከምዝተዛተዩ ተገሊፁ፡፡

ኣብ ክልቲኣዊ ጉዳይ ብትኹረት ብምስራሕ ዝሓሸ ውፅኢት ንምምዝጋብ ከምዝሰርሑ እውን ኣብ ስምምዕነት በፂሖም፡፡

 

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

 

Comments (0)
Add Comment