ርእሰ ምምሕዳራት ዝተፈላለያ ክልላት መበል 1497 በዓል መውሊድ ምኽኒያት ብምግባር ናይ እንኳዕ ኣብፀሐኩም መልእኽቲ ኣመሓላሊፎም

ኣዲስ ኣበባ ፣ 28 መስከረም፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ) ርእሰ ምምሕዳራት ዝተፈላለያ ክልላት መበል 1 ሺሕን 497 በዓል መውሊድ ምኽኒያት ብምግባር ናይ እንኳዕ ኣብፀሐኩም መልእኽቲ ኣመሓላሊፎም።

ርእሰ ምምሕዳር ክልለ ኣምሓራ ዶክተር ይልቃል ጌትነት፣ ርእሰ ምምሕዳር ክልል ሃረሪ ኦርዲን በድሪ፣ ርእሰ ምምሕዳር ክልል ደቡብ ኣይተ በርስቱ ይርዳው፣ ርእሰ ምምሕዳር ክልል ቤኒሻንጉል ጉምዝ ኣይተ ኣሻድሊ ሓሰን ኣብ ዘመሓቀላለፍዎ መልእኽቲ እንኳዕ ኣብፀሐኩም፥ እቲ በዓል ብዝተፈላለዩ ምኽኒያታት ካብ መረበቶም ንዝተፈናቐሉ ወገናት ብምሕብሓብን ምድጋፍን ክኸውን ከምዘለዎ ገሊፆም።

እቶም ርእሳነ ምምሕዳራት፥ እቲ በዓል እንትነኽብር ሃገርና ዘጋጨማ ፈተና ብምትሕብባርን ብሓበራዊ ቅልፅምን ብምምካት ምዕባለ ሃገርና ንምርግጋፅ መንግስቲ ብትኹረት ይሰርሓሉ ኣብ ዘሎ እዋን ምዃኑ ፍሉይ ከምዝከብሎ ኣብሪሆም።

ስለዝኾነ ፅኑዕ ኣስተምህሮ ነቢዪ መሓመድ ብምትግባር ብምሕትሕዝዛን፣ ምፍቓር፣ ርህሩህነት፣ እወንታዊ ስብእናን ምድግጋፍን ክኸውን ከምዝግባእ እውን ሓቢሮም።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%

5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

 

 

Comments (0)
Add Comment