ርእሰነ ምምሕዳር ክልላት በዓል ኢሬቻ ምኽንያት ብምግባር መልእኽቲ እንኳዕኣብፀሐኩም ኣመሓላሊፎም

ኣዲስ ኣበባ፣ 24 መስከረም፣ 2017 (ኤፍ ቢ ሲ)መንግስቲን ርእሰነ ምምሕዳርን ክልላት በዓል ኢሬቻ ምኽንያት ብምግባር መልእኽቲ እንኳዕ ኣብፀሐኩም ኣመሓላሊፎም።

መንግስቲ ክልል ሐረሪ ኣብ ዘመሓላለፎ መልእኽቲ እንኳዕ አብፀሓኩም÷ ኢሬቻ ሓድነት፣ ሓበራውነትን ምትሕብባርን ዘጎልብት ባዓል ከምዝኾነ ገሊፁ፡፡

ኢሬቻ ካብ ኸረምቲ ናብ ሓጋይ ካብ ፀልማት ናብ ብርሃን ዘሰጋገረ ንፈጣሪ ምስጋና ንምቐራብ ዝኽበር ናይ ኣደባባይ በዓል ከምዝኾነ ብምሕባር፤ በዓል ኢሬቻ ምትእስሳር ህዝብና ዘጠናኸርን ቱሪዝም ውሽጢ ሃገር ዘዕብይን ምዃኑ እውን አመልኪቱ፡፡

ርእሰ ምምሕዳር ክልል ደቡብ ምዕራብ ኢትዮጵያ ነጋሽ ዋጌሾ (ዶ/ር ኢ/ር) ኣብ ዘመሓላለፉዎ መልእኽቲ ድማ ኢሬቻ ንህንፀት ሰላም ዘለዎ ረብሓ ዕዙዝ ከምዝኾነ ገሊፆም፡፡

“ኢሬቻ ንህብረ ብሄራዊ ሓድነትና ናይ ፅባሕ ተስፋን ጩራ ብርሃንን ኢዩ” ዝበሉ ድማ ርአሰ ምምሕዳረ ክልል ሲዳማ ኣይተ ደስታ ሌዳሞ ኢዮም።

በዓል ኢሬቻ ኣመልኪቶም ኣብ ዘመሓላለፉዎ መልእኽቲ መግለፂ ሰናይ ትምኒት÷ ኢሬቻ ተምሳሌት ባህላዊ፣ ታሪኻዊ፣ ምስጋናን ፍቕሪን፣ ደስታ፣ ሰላም፣ ዕርቂ፣ ሕውነትን ህዝቢ ኦሮሞ ከምዝኾነ ኣብሪሆም።

ርእሰ ምምሕዳር ክልል ደቡብ ኢትዮጵያ ጥላሁን ከበደ ኣብ ዘመሓላለፉዎ መልእኽቲ÷ ክብሪን ትውፊት ኢሬቻ ሓሊኻ ናብ ወለዶ ምስጋር ናይ ኩሉ ሓላፍነት ከምዝኾነ ገሊፆም፡፡

ርእሰ ምምሕዳር ክልል ጋምቤላ ኣለሚቱ ኡሞድ÷ በዓል ኢሬቻ እንትነኽብር ባህሉን ትውፊቱን ብዝሓለወን ብዘጠናኽርን መልክዑ ንወለዶ ክመሓላለፍ ብምግባር ክኸውን ከምዝግባእ ኣገንዚበን።

Comments (0)
Add Comment