ሬዚዳንት ሳህለወርቅ ዘውዴ ምስ ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ኣሜሪካ ተዛትየን

ኣዲስ ኣበባ፣ 10 ለካቲት፣ 2012 (ኤፍ ቢ ሲ)ፕሬዚዳንት ፌዴሪኢ ሳህለወርቅ ዘውዴ ምስ ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ኣሜሪካ ማይክ ፖምፒዮ ኣብ ቤት ፅሕፈተን ተቐቢለን ተዛትየን።

ኣብቲ ዘተ ዝተሳተፉ ሚኒስትር ዲኤታ ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ኣምባሳደር ሬድዋን ሑሴን ከምዝበሉዎ፥ ፕሬዚዳንት ሳህለወርቅ ዘውዴን ማይክ ፖምፒዮን ኣብ ርክብ ኢትዮጵያን ኣሜሪካን ኣድሂቦም ከምዝተዛተዩ ኢዩ።

ኣብ ኢትዮጵያ እናተኻየዱ ዝርከቡ ናይ ለውጢ ስራሕቲ ብዝምልከት እውን ዝዘተዩ እንትኾኑ፥ ኣሜሪካ ኢትዮጵያ እናተኻየዱ ንዝርከቡ ስራሕቲ ሪፎርም ቀፃሊ ሓገዝ ከምእትገብር ኣረጋጊፆም።

ፕሬዚዳንት ሳህለወርቅ፥ ኩባኒያታት ኣሜሪካ ናብ ኢትዮጵያ መፂኦም ኣብ ዓውዲ ንግዲን ኢንቨስትመንትን መዋእለ ንዋዮም ንኸፍስሱ መንግስቲ ኣሜሪካ ሓገዝ ንኽገብር ሓቲተን።

እቶም ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ፥ ኢትዮጵያ ሰላም ምብራቕ ኣፍሪካ ንኽሕሎ ትገብ ዘላ ፃዕሪ ከምዘድንቑን እቲ ፃዕሪ ንኽተሕይል ሃገሮም ኣሜሪካ ሓገዝ ክትገብር ኢያ ምባሎምን ኣምባሳደር ሬድዋን ተዛሪቦም።

ብተመሳሳሊ ዜና፥ ማይክ ፖመምፒዮ ምስ ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ኣይተ ገዱ ኣንዳርጋቸው ተራኺቦም ኣብ ክልተኣዊን ዓለም ላኻዊን ርክብ ክልቲአን ሃገራት ኣድሂቦም ተዛትዮም ኢዮም።

እቶም ሚኒስትር ሚኒሰትር ጉዳያት ወፃኢ ዕላዊ ዑደት ስራ ንምግባር ትማሊ ምሸት ናብ ኣዲስ ኣበባ ዝኣተዉ እንትኾኑ፥ ኣብ ፃንሒቶም ድማ ምስ ላዕለዎት ሓለፍቲ ስራሕ መንግስቲ እናተዛተዩ ይርከቡ።

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment