ራፋዬል ቫራን ጫማ ሰቒሉ

ኣዲስ ኣበባ፣ 15 መስከረም፣ 2017 (ኤፍ ቢ ሲ)ኮኸብ ተፃዋታይ ኩዕሾ እግሪ ሃገራዊት ጋንታ ፈረንሳይን ጋንታታት ሪያል ማድሪድን ማንቼስተር ዩናይትድ ራፋዬል ቫራን ፀወታ ጠጠው ከምዘበለ ኣፍሊጡ፡፡

ቫራን ኣብ ዝሓፈ ክረምቲ መስኮት ዝውውር ንጋንታ ማቼስተር ዩናይትድ ብምልቃቕ ናብ ጣሊያናዊት ጋንታ ኮሞ ምፅምባሩ ይፍለጥ፡፡

ኣብታ ሓዳሽ ጋንትኡ ኣብ ዝነበረሉ እዋን ዘጋጠሞ ጉድኣት ስዒቡ ኣብ 31 ዓመቱ ጫማኡ ከምዝሰቐለ ቢቢሲ ፀብፂቡ፡፡

ቫራን ኣብ ተፃዋታይነት ዘበኑ ሃገሩ ፈረንሳይ ፅዋዕ ዓለም እንትተልዕል ኣስተዋፅኦ ዘበርከተ ቫራን÷ ኣብ ጋንታ ሪያል ማድሪድ ብዝነበሮ ዕዉት ግዘ ላሊጋን ሓዊሱ ፅዋዕ ሻምፒየንስ ሊግ ኣውሮፓ ከዕውት ክኢሉ፡፡

Comments (0)
Add Comment