ራዕይ ንተጋሩ ኢትዮጵያውያን ሃገራዊ ህዝባዊ ምንቅስቓስ ተጣይሹ

ኣዲስ ኣበባ፣  7 ነሓሰ፣2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ብተወለድቲ ትግራይ ራዕይ ንተጋሩ ኢትዮጵያውያን ሃገራዊ ህዝባዊ ምንቅስቓስ ተጣይሹ።

ኣይተ ሊላይ ሃይለማርያም እቲ ህዝባዊ ምንቅስቓስ ምጥያሹ ብዝምልከት ሎሚ መዓልቲ ኣብ ዝሃብዎ መግለፂ፥ ብዝተወሰኑ ተወለድቲ ዓድዋ ገዛእቲ መደብ ህዝቢ ትግራይ ይብደል ኣሎ ኢሎም።

ህዝቢ ትግራይ ኣብ ዝሓለፉ 3 ሺሕ ዓመታት ንሃገሩ መንግስቲ ምስ ካልኦት ኣሕዋት ህዝብታት ብምዃን ናይ ባዕሉ ኣሰር ዘቐንበረ ህዝቢ ኢዩ ኢሎም።

ኣብዚ ሐዚ እዋን ካብ ገዛኢ መደብ ዓድዋ ብዝተፈልፈሉ ትግራይ ንምግንፃል ሓሲቦም እንተይተሳኸዐሎም ዝተረፉ ንህዝቢ ብዘይጠቅሙ ጉጅለታት መጥቀሚ ክኸውን ኣይግባእን ኢሎም።

ኣይተ ሊላይ ኣብ መግለፂኦም፥ ዕላማ እቲ ምንቅስቓስ እቶም ንህዝቢ ትግራይ ብዝተሰሓሓተ መገዲ “ባይተዋር” ንክኸውን ዝሰርሑ ዘለዉ ሓይሊታት ንምምካት ዝዓለመ ኢዩ ኢሎም።

ስለዝኾነ ኣብዚ ሐዚ እዋን ኣብ ትግራይ ዝካየድ ኲናት ናይ ሓደ ጉጅለ እኩይ ዕላማ ንምስኻዕ ከምዝኾነ ብምፍላጥ ብኢትዮጵያውነቱ ዘይደራደር ህዝቢ ትግራይ በቃኹም ክብሎም ይግባእ ኢሎም።

ህወሓት ኣብ ልዕሊ  ህዝቢ ትግራይ ስፍሪን ቁፅሪን ዘይብሉ በደል ኣብፂሑ ኢዩ ብምባል፥ ሐዚ እውን ን27 ዓመት ዝሰርሖ በደል ከይኣኽሎ ንህዝቢ ዋጋ የኽፍል ኣሎ ኦሎም።

እቲ ምንቅስቓስ ኣብ ውሽጢ ዓዲን ወፃኢን ዘለዉ ተጋሩ ብምውዳብ ዝሰርሕ ከምዝኾነ ኣፍሊጦም ክብል ኢፓድ ፀብፂቡ።

 

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment