ሩባ ኣዋሽ መሊኡ ተፈጥሮኣዊ ዋሕዙ ጥሒሱ ብምውፃእ ክሳብ 30 ኪ.ሜ ኣብ ዘኣክል ቦታ ከምዝተዘርገሐ ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 3 መስከረም፣ 2013 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ሩባ ኣዋሽ መሊኡ ተፈጥሮኣዊ ዋሕዙ ጥሒሱ ብምውፃእ ክሳብ 30 ኪሎ ሜትሮ ኣብ ዘኣክል ቦታ ከምዝተዘርገሐ ተገሊፁ።

እቲ ኣብ ክልል ዓፋር ወረዳ ኣሚባራ ጥሒሱ ዝወፅአ ማይ፥ ኣንፈቱ ናብ ዝራእቲን መንደራትን ብምግባር ኣብ ልዕሊ ዝራእቲን ጉድኣት ኣብ ልዕሊ ነበርቲን ምፍንቓል ኣስዒቡ ኢዩ።

እቲ ፀገም ኣቐዲሙ ንምክልኻል ልዕሊ ብር 136 ሚሊየን በጀት ብምምዳብ ስራሕቲ ምስፋሕ ሩባን ፅገና ዳይክን ይሰራሕ እመበር ኣብዚ ዓመት ልዑል መጠን ዘለዎ ዝናብ ብምውቅዑ፤ እቲ ፀገም ሙሉእ ብሙሉእ ምክልኻል ከምዘይተኸኣለ ሚኒስቴር ማይ፣ መስኖን ኢነርጂን ኣፍሊጡ።

ኣብ ቀፃሊ ምስ መንግስታት ክልል ብምትሕብባር ኣብ ውሽጢ ውሑዳት ሰሙናት እቲ ውሒጅ ናብ ተፈጥሮኣዊ ዋሕዙ ንምምላስ ከምዝስራሕ እውን ገሊፁ።

ሚኒስትር ማይ፣ መስኖን ኢነርጂን ዶክተር ኢንጂነር ስለሽ በቀለ፥ ምስ ኣመራርሓታት ተፀዋዕቲ ትካላትን ምስ ርእሰ ምምሕዳር እቲ ክልል ኣይተ ኣወል ኣርባን ብምዃን በቲ ሓደጋ ዝተመዛበሉ ወገናት ተዓዚቦም።

ኣብቲ ዝገበሩዎ ዑደት ድማ ሩባ ኣዋሽ ብኣግባቡ ብምጥቃም ጉድኣት ዘየብፅሕ ሃፍቲ ክዝኾነ ብተግባር ክነርኢ ኢና ኢሎም።

ምምሕዳር እቲ ክልል ኣይተ ኣወል ኣርባ ብግደኦም፥ በቲ ዘጋጠመ ሓደጋ ውሕጅን ምዕልቕላቕን ኣብ ልዕሊ ህይወት ሰባት ዝኸፍአ ጉድኣት ከየብፅሕ ምግባር ከምዝተኽኣለ ገሊፆም።

በቲ ዘጋጠመ ሓደጋ ኣብ ክልል ዓፋር ጥራሕ 133 ሺሕ ሰባት ንሓደጋ ከምዝተቓልዑን ካብ መረበቶም ከምዝተመዛበሉን እውን ኣብሪሆም።

ኣብ ዝተገበረ ዑደት ካብ ሚኒስቴር ማይ፣ መስኖን ኢኔርጂን ከምኡ እውን ተፀዋዕቲ ትካላት እቲ ሚኒስቴር ዝተፈላለዩ ሰብኣዊ ሓገዛት ተገይሩ።

ብሃይለኢየሱስ ስዩም

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment