ሩስያ ንመስመር ጋዝ ከም ፖሎቲካዊ ረብሓ እንተተጠቒማትሉ እግዳ ክስዕባ ከምዝኽእል ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 16 ነሓሰ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ቻንስለር ጀርመን ኣንገላ መርከል ሩስያ ነቲ ብዩክረይን ዝሓልፍ መስመር ጋዝ ክትዓፅዎ እንተፈቲና ኣብ ልዕሊኣ ተወሳኺ እገዳ ክግበር ከምዝኽእል ኣጠንቂቐን።

ኣንገላ መርከል ናብ ርእሰ ከተማ ዩክረይን ከተማ ከይቭ ምብፃሕ ገይረን።

ንፕረዚዳንት እታ ሃገር ቮሎደሚር ዘለንስኪ ብምርካብ፥ ንሶም ብዛዕባ እቲ ኖርድ ስትሪም 2 ዝብሃል መስመር ጋዝ ዘለዎም ሻቕሎት ከምዝርደአን ገሊፀናሎም።

ኖርድ ስትሪም 2 ዝተሰመየ መስመር ጋዝ ብባሕሪ ባልቲክ ገይሩ ንዩክረይን ኣቋሪፁ ናብ ጀርመን ዝበፅሕ እንትኸውን፥ ንሰደድ ጋዝ ሩስያ ብዕፅፊ ዘዕቢ እዩ ተባሂሉ።

እቲ መስመር ጋዝ ንዩክረይን ናይ ፀጥታ ፀገም የምፅኣላ ምህላው’ያ ዩክረይን ትገልፅ።

ፍልፍል፦ቢቢሲ

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

 

 

Comments (0)
Add Comment