ሩስያ  ምስ ኣውሮፓ ሕብረት ዘለዋ ዝምድና ክትበትኽ ከም እትኽእል ኣጠንቂቓ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 6 ለካቲት፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ሩስያ  ምስ ኣውሮፓ ሕብረት ዘለዋ ዝምድና ክትበትኽ ከም እትኽእል ኣጠንቂቓ።

ሚኒስተር ጉዳያት ወፃኢ ሩስያ ሰርጌ ላቭሮቭ፥ ኣውሮፓ ሕብረት ኣብ ልዕሊ ሩስያ እገዳ እንተኣንቢሩ ሃገሮም ምስቲ ሕብረት ዘለዋ ዝምድና ክትበትኮ ከም እትኽእል ኢዮም ኣተሓሳሲቦም።

ሩስያ ኣሲራቶ ንዘላ መራሒ ተቓዋሚ ፓርቲ ኣሌክሲ ናቫልኒ ዝሓዘትሉ ኣገባብ ኣሰሓሓቢ ኮይኑ ኣብ ዝርከበሉ እዋን፥ ኣውሮፓ ሕብረት ተወሳኺ እገዳታት ክገብር ከም ዝኽእል ይግለፅ።

ሰርጌ ላቭሮቭ፥ “ሰላም ትደሊ እንተኾይንካ ንኲናት ተዳሎ” ኢሎም።

ብኣውሮፓ ሕብረት ዝግበር እገዳ ንቁጠባ ሩስያ ሃሳዪ ክኸውን ከም ዝኽእል ዝገለፁ እቶም ሚኒስትር፥ ምብታኽ ዝምድናታት ከኸትል ይኽእል እዩ ኢሎም።

ስለዝኾነ “ካብ ዓለምለኻዊ ጉዳያት ርእስና ክነግልል ኣይንደልን ኢና፤ ግና ንዕኡ ድልዋት ክንከውን ኣሎና” ክብሉ ገሊፆም።

ፍልፍል፦ቢቢሲ

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ

ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

ኩሉ ጊዜ ምሳና ብምዃኖም/ነን ነመስግን!

 

Comments (0)
Add Comment