ሩሲያ ፍርያት ዘይቲ ነዳዲኣ ብሩብል ወይ እውን ብቢትኮይን ክትሸይጥ ከምትኽእል ኣፍሊጣ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 16 መጋቢት፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ሩሲያ ናብ ወፃኢ ትልእኾ ፍርያት ዘይቲ ነዳዲኣ ብመተዓዳደጊ እታ ሃገር ዝኾነ ገንዘብ (ሩብል) ወይ እውን ብቢትኮይን ክትሸይጥ ከምትኽእል ኣፍሊጣ።

ኣቦ መንበር ቀዋሚ ኮሚቴ ኢነርጂ ፓርላማ ሩሲያ ፓቬል ዛቫልኒ ከምዝገለፁዎ፥ ኣብዚ ሕዚ እዋን ኣብታ ሃገር ብምኽንያት እናተነበረ ዝርከብ ማዕቐብ ኣብ ሞስኮ ጋዝ ተፈጥሮ ወይ እውን ብዩሮ ምሻጥ ኣፀጋሚ ኮይኑ ኢዩ፡፡

ብምኽንያት እዚ ድማ ሩሲያ ናብ ወፃኢ ትልእኾ ፍርያት ዘይቲ ነዳዲን ጋዝን ብመተዓዳደጊ እታ ሃገር ዝኾነ ገንዘብ (ሩብል) ወይ እውን ብቢትኮይን ክትሸይጥ ከምትኽእል ገሊፆም፡፡

ብኣንፃሩ ንሩሲ ፈተውቲ ዝኾና ሃገራት ማለት እውን፥ ቱርኪን ቻይናን ዝሐሸ መገዲታት ኣማራፂ ክፍሊት ከምዝመቻቸዉ እቶም ኣቦ መንበር ገሊፆም፡፡

ፓቬል ዛቫልኒ ናይ ሩሲያ ሩብልን ናይ ቻይና ዩዋንን ከምመተዓዳደጊ ንምጥቃም ቅድም ኢሉ ንቻይና ሓሳብ ኣቕሪቦምላ ከምዝነበሩ ብምሕባር፤ ምስ ቱርኪ እውን ብሊይሬን ሩብልን ዕድጊት ክግበር ኢዩ ኢሎም፡፡

ምስ ፈተውቲ ሃገራት ንገብሮ ዕድጊት ቢት ኮይንም ከም ኣማራፂ ክንጥቀም ንኽእል ኢና” ክብሉ ምግላፆም ቲ ኣር ቲ ፀብፂቡ፡፡

ንኢትዮጵያ፦ ነልምዕ፣ ንህነፅ፣ ንዳሎ!

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

Comments (0)
Add Comment