ሩሲያ ዲፕሎማት ኔዘርላንድን ቤልጂዬምን ኣባሪራ

ኣዲስ ኣበባ፣ 11 ሚያዝያ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ሩሲያ 15 ዲፕሎማት ኔዘርላንድን ካልኦት ቁፅሮም ብዕሊ ዘይተፈልጠ ዲፕሎማት ቤልጂዬምን ኣባሪራ።

እቶም ዲፕሎማት ኣብ ውሽጢ ክልተ መዓልታት ሩሲያ ለቒቖም ንክወፅኡ ትእዛዝ ከምዝተውሃበ ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ እታ ሃገር ኣፍሊጡ።

እቲ ስጉምቲ ኣብ ልዕሊ ኣብ ሄግን ኣምስተርዳምን ዝርከቡ ኤምባሲታት ሩሲያ፣  ዓለም ለኸ ትካል እገዳ ኬሚካል ጦርን ካልኦት ዓለም ለኸ ትካላትን ተወከልቲ ሩሲያን ሰራሕተኛታትን ምብራሮም ስዒቡ ዝተገበረ ናይ ዓፀፋ ግብረ መልሲ ምዃኑ ተሓቢሩ።

ብተወሳኺ ኔዘርላንድ ከም መጠን መንበር ዓለም ለኸ  ትካል እገዳ ኬሚካል ጦር መሰላ ብዘይኣግባብ ክትጥቀም ኣይነበራን ክብል ነቲ ተግባራ ኣውጊዙ ክብል ኣናዶሉ ፀብፂቡ።

ንኢትዮጵያ፦ ነልምዕ፣ ንህነፅ፣ ንዳሎ!

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

 

Comments (0)
Add Comment