ሩሲያ ያርስ ብዝተብሃለ ኣህጉር ዘቋርፅ ባላስቲክ ሚሳኤል ወታደራዊ ልምምድ ምግባር ጀሚራ

ኣዲስ ኣበባ፣ 20 መጋቢት፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ) ሩሲያ ያርስ ብዝተብሃለ ኣህጉር ዘቋርፅ ባላስቲክ ሚሳኤል ብምጥቃም ወታደራዊ ልምምድ ምግባር ከምዝጀመረት ኣፍሊጣ።

ኣብቲ ወታደራዊ ልምምድ ልዕሊ 3 ሺሕ ወታደራት ተሳተፍቲ እንትኾኑ፥ 300 ዝበፅሕ ሚሳኤል ድማ ኣብ ረብሓ ከምዝወዓለ ኣልጄዚራ ንሚኒስቴር ምክልኻል ሩሲያ ፀሪሑ ፀብፂቡ።

ያርስ ዝተብሃለ ኣህጉር ዘቋርፅ ባላስቲክ ሚሳኤል፥ 12 ሺሕ ኪሎ ሜትሮ ወይ እውን 7 ሺሕን 500 ማይል ርሕቐት ክጓዓዝ ከምዝኽእልን ኣብ ውሽጡ ብዙሕ ዓረር ኒውክሌር ክሽከም ከምዝኽእልን ተገሊፁ፡፡

እቲ ናይ ሕዚ ወታደራዊ ልምምድ፥ ሩሲያ ኣብ ኣፅዋር ኒውክሌር ዘለዋ ዓቕሚ ንምርኣይ ዝዓለመ ኢዩ ተባሂሉ።

ፕሬዝዳንት ፑቲን፥ ያርስ ባላስቲክ ሚሳኤል ካብ ሞንጎ ዘይድፈሩ ጦር መሳርሒታት ሓደ ንምግባር ከምዝሓሰቡ ተሓቢሩ።

#Ethiopia

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube

Comments (0)
Add Comment