ሩሲያ ካብ ዩክሬን ዝተወንጨፈላ መጥቃዕቲ ሚሳኤልን ድሮንን ምፍሻላ ገሊፃ

ኣዲስ ኣበባ፣ 5 ግንቦት፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ሩሲያ ካብ  ዩክሬን ለይቲ ዝተወንጨፈላ መጥቃዕቲታት 16 ሚሳኤል ሓዊሱ 31 ሰብ ኣልቦ ኣውሮፕላናት ወቒዓ ከምዝሓምሸሸቶም ሚኒስቴር ምክልኻል እታ ሃገር ኣፍሊጡ።

12 ሚሳኤላት ኣብ ከባቢ ዶብ ቤልጎሮድ፣ 4 ሚሳኤላትን 7 ሰብ ኣልቦ ኣውሮፕላናትን ኣብ ክሬሚያ፣ 8 ሰብ ኣልቦ ኣውሮፕላናት ኣብ ከባቢ ኩርስክ ከምኡውን 4 ሰብ ኣልባ ኣውሮፕላናት ኣብ ግዝኣት ሊፕትስክ ተወቒዖም ከምዝወደቑ ተገሊፁ።

ካብዚ ሓሊፉ ትማሊ ኣብ ቤልጎሮድ ብሰራዊት ሩሲያ ናይ ዝተወቕዐ ሚሳኤል ድርቅምቃም ኣብ ልዕሊ ኣፓርታማ ብሰንኪ ምውዳቑ  15 ሰባት ህይወቶም ከምዝሓለፈ ኤዥያ ዋን ፀብፂቡ።

Comments (0)
Add Comment