ሩሲያ “ኤም ዋን ኣብራምስ” ን “ሊዮፓርድ 2” ታንክታት ዘዕኑ ሮቦት ዕላዊ ገይራ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 19 ጥሪ ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ሩሲያ “ኤም ዋን ኣብራምስ” ን “ሊዮፓርድ 2” ታንክታት ዘዕኑ ሮቦት ዕላዊ ገይራ።

ጀርመንንኣሜሪካን ቅድሚ ክልተ መዓልታት “ኤም ዋን ኣብራምስ” ን “ሊዮፓርድ 2” ታንክታት ንዩክሬን ንምልኣኽ ድልዋት ከምዝኾና ምግላፀን ይዝከር።

ነዚ ስዒቡ ሩሲያ ናይ ፀላኢ ታንኪ ብምፍላይ ዘዕኑ ዘበናዊ ሮቦት ምስርሓ ገሊፃ።

እቲ ሓዱሽ ሮቦት “ኤም ዋን ኣብራምስ” ን “ሊዮፓርድ 2” ታንክታት ዘዕኑ ከምዝኾነ ድማ ሓቢራ።

ነበር ዋና ዳይሬክተር ኤጀንሲ ጠፈር ሩሲያ ዲሚትሪ ሮጎዚን ንስፑትኒክ ከምዝበልዎ፥ እቲ ሮቦት ዒላማታትን ምንቅስቓስን ፀላኢ ብምስሊ ኣደጊፉ ዘርእይ መሳርሒ ከምዝተገጠመሉ ተዛሪቦም።

ብቀንዱ ድማ ምንቅስቓስ እተን ታንኪታት ድሕሪ ምርኣዩ ብሚሳኤል ምዕናው ዝኽእል ከምዝኾነ ተሓቢሩ።

ኣብ ወርሒ ለካቲት ኣርባዕተ ሮቦታት ኣብ ዶንባስ ፈተነ ድሕሪ ምግባረን ናብ ስራሕ ክኣትዋ ኢየን ተባሂሉ።

 

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

Comments (0)
Add Comment