ኣዲስ ኣበባ ፣ 19 ሚያዝያ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ሩሲያ ካብ ምዕራባውያን ናብ ዩክሬን ዝተልኣኹ መኽዘን ኣፅዋራት ኲናት ምዕናዋ ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ እታ ሃገር ኣፍሊጡ።።
እቲ ኣፅዋር ካብ ኣሜሪካን ምዕራባውያን ሃገራት ናብ ኪየቭ ዝተልኣከ ከምዝኾነ ተገሊፁ።
ትማሊ ምሸት ብሚሳኤል ተወቒዑ ከምዘዓነወ ድማ ኣቀባሊ ቃል እቲ ሚኒስቴር ኮናሼንኮቭ ተዛሪቦም።
ኣውሮፕላናት ሩሲያ ኣብ ሓደ ምሸት 59 ወተሃደራዊ ዒላማታት ዩክሬን ከምዝወቕዓ ገሊፆም።
ብተወሳኺ ሓይሊታት ሩሲያ 573 ደብዳባት ኣብ ልዕሊ ሓይሊታት ኪየቭ እንትፍፅሙ፥ 18 ሰብ ኣልባ ኣውሮፕላናት ብጥይት ተወቒዐን ካብ ረብሓ ወፃእ ከምዝኾና ምግላፁ ኣርቲ ፀብፂቡ።
ንኢትዮጵያ፦ ነልምዕ፣ ንህነፅ፣ ንዳሎ!
እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦
ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana
ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/
ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision
ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna
https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!
ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት
https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።