ኣዲስ ኣበባ፣ 4 ታሕሳስ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ሩሲያ ኣብ መሰረተ ልምዓታት ኢነርጂ ዩክሬን ሰፊሕ መጥቃዕቲ ከምዝፈፀመት ኣፍሊጣ።
እቲ መጥቃዕቲ ቅድሚ ሒደት መዓልታት ዩክሬን ኣብ ልዕሊ ግዝኣት ሩሲያ ንዝፈፀመቶ መጥቃዕቲ ሚሳኤል ግብረ መልሲ ምዃኑ ተሓቢሩ።
ሚኒስቴር ምክልኻል ሩሲያ ከምዝገለፆ፥ ዩክሬን ወተሃደራዊ ዓቕማ ንምጥንኻር ኣብ እትጥቀመሉ መሰረተ ልምዓታት ነዳዲን ኢነርጂን ዕዉጥ መጥቃዕቲ ተፈፂሙ ኣሎ።
ሚኒስትር ኢነርጂ ዩክሬን ጀርማን ጋሉሸንኮ ብግድኡ፥ እቲ መሰረተ ልምዓት ሩሲያ ብዝፈፀመቶ መጥቃዕቲ ልዑል ጉድኣት ከምዝበፅሖ ተዛሪቦም ክብል ኣር ቲ ፀብፂቡ።