ኣዲስ ኣበባ፣ 22 ሚያዝያ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ሩሲያ ኣብ ሰሜናዊ ምብራቕ ዩክሬን ተካይዶ ኣብ ዘላ ወፍሪ መጥቃዕቲ 389 ዒላማታት ከምዝወቕዐት ኣፍሊጣ።
ዩክሬን ብግደኣ ኣብ ሰሜንን ምብራቕን ሸነኻት እታ ሃገር ዘጥቅዕ ዘሎ ሓይሊ ሩሲያ ንምዕጋት ሰራዊታ ይዋደቕ ከምዘሎ ኣፍሊጣ።
ሰራዊት ምክልኻል ሩሲያ፥ በቲ መጥቃዕቲ 15 መኽዝናት ኣፅዋር ኲናትን ወተሃደራዊ ካምፒታት ዩክሬንን ሓዊሱ 35 ወተሃደራዊ መአዘዝታት ከምዝወቕዐት ገሊፁ።
ዝተተኮሱ ሚሳኤላት መኽዝን ጠያይቲን ነዳዲ መዐደታትን ከምዘዕነዉ ተገሊፁ።
ካልአይቲ ከተማ ዩክሬን ዝኾነት ካርኪቭ ክሳብ ሐዚ ኣብ ቁፅፅር ሰራዊት ዩክሬን እኳ እንተኾነት በቢዕለቱ ብሰራዊት ሩሲያ ብከበድቲ ኣፅዋራት ትድብደብ ከምዘላ ኣር ቲ ፀብፂቡ።
እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦
ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana
ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/
ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision
ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna
https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!
ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት
https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።