ሩሲያ ኣብ ልዕሊ ዩክሬን እተካይዶ ዘላ ወተሃደራዊ ወፍሪ ንካልኣይ መዓልቲ ቀፂሉ ኣሎ

ኣዲስ ኣበባ፣ 18 ለካቲት፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ሩሲያ ኣብ ልዕሊ ዩክሬን ትማሊ ዝጀመረቶ ወተሃደራዊ ወፍሪ ንካልኣይ መዓልቲ ቀፂሉ ከምዘሎ ተገሊፁ።

ብመሰረት እዚ ሎሚ መዓልቲ ኣብ ርእሰ ከተማ ዩክሬን፣ ኪየቭ ልዑል ድምፂ ኣፅዋራት ኲናት ከምዝተሰምዑ ተሓቢሩ።

ሩሲያ ኣብታ ከተማ መጥቃዕቲ ባለስቲክ ሚሳኤል ኣካይዳ ክትብል ዩክሬን ከሲሳታ ኣላ።

ሩሲያ ክሳብ ሐዚ ብዘሎ ከይዲ ኲናት ማእኸል ኒውክሌር ዝኾነት ቼርኖቤልንን ኣብ ከባቢ ኪየቭ ዝርከብ መአዘዚ ሓይሊ ኣየርን ምሓዛ ተገሊፁ።

ትማሊ እውን 74 ወተሃደራዊ ትካላት ከምዘዕነወት ሩሲያ ገሊፃ ኢያ።

ብኻሊእ መዳይ ፕሬዚዳንት ዩክሬን ቮሎድሚር ዜነልሰኪ ሃገሮም ምስ ሩሲያ ንምድርዳር ድልውቲ ከምዝኾነት ተዛሪቦም።

ምዕራባውያን ከጎናቸው መሆናቸው እንደነገሯቸው የገለጹት ቮሎድሚር ዜነልስኪ ÷ ነገር ግን ኔቶም ሆነ ምዕራባውያን ተግባራዊ ድጋፍ ሊያደርጉላቸው አለመፍቀዳቸውን ገልጸዋል፡፡

ፍልፍል፦ሲ ጂ ቲ ኤን

ንኢትዮጵያ፦ ነልምዕ፣ ንህነፅ፣ ንዳሎ

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ! ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

Comments (0)
Add Comment