ኣዲስ ኣበባ፣ 11 ታሕሳስ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ሩሲያ ኣብ ልዕሊ ትካላት መንግስቲ ዩክሬን ልዑል መጥቃዕቲ ሳይበር ከምዘብፀሐት ተገሊፁ።
ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ዩክሬን ኦልሃ ስቴፋኒሺያ፥ ኣብ ቤተ መዛግብቲ ወሳኒ ኩነት ብዝበፅሐ መጥቃዕቲ ኣገልግሎት ንግዚኡ ከምዝተቛረፀ ሓቢሮም።
ብተመሳሳሊ ብሰንኪ እቲ መጥቃዕቲ ኣብ ትሕቲ ሚኒስቴር ፍትሒ ዩክሬን ኣብ ዘለዉ ኣገልግሎት ወሃብቲ ትካላት ንግዚኡ ስራሕ ደው ከምዘበሉ ሮይተርስ ፀብፂቡ።
እቲ መጥቃዕቲ ዝበፅሖም ትካላት፥ ልደት፣ ሞት፣ ሓዳርን በዓል ዋና ንብረትን ዝበሉ ንዜጋታት ዩክሬን ወሰንቲ ዝኾኑ መረዳእታታት ዝሓዛ ከምዝኾና ተሓቢሩ።