ሩሲያ ኣብ ልዕሊ ዩክሬን ልዑል መጥቃዕቲ ኣየር ከምዝፈፀመት ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 19 ታሕሳስ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ሩሲያ ኣብ ልዕሊ ዩክሬን ኣብ ውሽጢ ሓደ ልዑል መጥቃዕቲ ኣየር ምክያዳ ተገሊፁ።

ሰብ ኣልቦ ኣውሮፕላናትን ሚሳኤላትን ሎሚ ወጋሕታ ኣብ ከተማታት ኪየቭ፣ ኦዴሳ፣ ዲኒፕሮፔትሮቭስክ፣ ካርኪቭን ሊቪቭን ደብዳብ ምክያደን ስዒቡ ብብርኪ ሃገር ናይ ኣር መጠንቀቕታ ከምዝተውሃበ ተሓቢሩ።

እቲ መጥቃዕቲ ዝተፈፀመ ዩክሬን ኣብ ወደብ ክሬሚያ ፌዮዶሲያ ጦር መርከብ ሩሲያ ካብ ተዕኑ ድሕሪ መዓልቲታት ከምዝኾነ ተሓቢሩ።

ካብዚ ብተወሳኺ ፕሬዚዳንት ዩክሬን ቮሎዲሚር ዘለንስኪ÷ ኣሜሪካ ናይ ኣየር መከላኸሊ ተተኮስቲ ሓዊሱ 250 ሚሊየን ዶላር ወታደራዊ ማዕቐፍ ድጋፍ ምፅዳቓ ስዒቡ ንኣሜሪካ ምስጋና ድሕሪ ምቕራቦም ከምዝኾነ ቢቢሲ ፀብፂቡ።

ከሚድ ከምዝኾነ ኣብ ዝተገለፀሉ እዚ መጥቃዕቲ÷ ኣብ መላእ ሃገር ብዙሓት ሰባት እንትቖስሉ ብውሑዱ ህይወት ሓደ ሰብ ከምዝሓለፈ ተገሊፁ።

ኣብ መላእ ከተማታት እታ ሃገር ልዑል ጉድኣት ኣብፂሑ ክኸውን ከምዝኽል እውን ተሓቢሩ።

#Ethiopia

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

Comments (0)
Add Comment