ሩሲያ ኣብ ልዕሊ ኣመራርሓታት ሕብረት ኣውሮፓ እገዳ ጉዕዞ ኣንቢራ

ኣዲስ ኣበባ፣ 23 መጋቢት፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣመራርሓታት ሕብረት ኣውሮፓ ናብ ሩሲያ ከምዝተኣገዱ ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ እታ ሃገር ኣፍሊጡ።

ኣብ ልዕሊ እቶም ኣመራርሓታት ዝተነበረ እገዳ ሞስኮ ኣብ ልዕሊ ዩክሬን ምስ ዝወሰደቶ ወታደራዊ ስጉምቲ ተተሓሒዙ ብምዕራባውያን ንዝተነበረላ ማዕቐብ ዓፀፋዊ መልሲ ከምዝኾነ እቲ ሚኒስቴር ገሊፁ፡፡

እቲ እገዳ ኣብ ልዕሊ ብዙሓት ኮሚሽነራት ሕብረት ኣውሮፓን ሓለፍቲ ወታደራዊ ውዳበታት እቲ ሕብረትን ከምኡ እውን ፀረ ሩሲያ ፖሊሲ ዘሰጉሙ መብዛሕተኦም ኣባላት ፓርላማ ኣውሮፓ ሓዊሱ ኣብ ላዕለዎት ኣመራርሓ ሕብረት ኣውሮፓን ተፈፃሚ ዝኸውን ኢዩ ምባሉ ሲ ጂ ቲ ኤን ፀብፂቡ፡፡

ኣሜሪካ ሓዊሱ ምዕራባውያን ሃገራት ሞስኮ ኣብ ልዕሊ ዩክሬን ዝወሰደቶ ወታደራዊ ስጉምቲ ብምቅዋምን ኣብ ጎኒ ዩክሬን ጠጠው ብምባልን ኣብ ልዕሊ ሩሲያ ማዕባት ምንባረን ይፍለጥ፡፡

ንኢትዮጵያ፦ ነልምዕ፣ ንህነፅ፣ ንዳሎ!

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

Comments (0)
Add Comment