ሩሲያ ኣርመኒያን ኣዘርባጃንን ክተሸማግል ኢያ ተባሂሉ

ኣዲስ ኣበባ፣ 29 መስከረም፣ 2013 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ሩሲያ ኣብ ክልል ናጎርኖ ካራባህ ናብ ኲናት ዝኣተዋ ኣርመኒያን ኣዘርባጃንን ክተሸማግል ከምዝኾነት ተገሊፁ።

ክልቲአን ሃገራት ቅድሚ ሓደ ሰሙን ናብ ኲናት ምእታወን ይፍለጥ።

እቲ ኣብ ከተማ ሞስኮ ክግበር ዝተሓሰበ ዘተ ናብ ኲናት ካብ ዝኣትዋ ንደሓር ፈላማይ ዘተ ኢዩ ተባሂሉ።

በቲ ዝግበር ዘተ ክልቲአን ሃገራት ቶኹሲ ጠጠው ንምባል ኣብ ስምምዕነት ክበፅሓ ኢየን ዝብል ተስፋ ኣሎ።

ክልቲአን ሃገራት ነንምሽምጋል ኣብ ዝግበር ፃዕሪ፥ ካብ ሩሲያ ብተወሳኺ ፈረንሳይን ንሜሪካን ክሳተፋ ኢየን ተባሂሉ።

ኣብ ሞንጎ ኣርመኒያን ኣዘርባጃንን ዝተወለዐ ኲናት ሕዚ እውን እናቐፀለ ምዃኑ ሞስኮ ታይምስ ፀብፂቡ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

Comments (0)
Add Comment