ስኑዕ ሓበሬታ
ኣዲስ ኣበባ፣ 2 ጥሪ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ሩሲያ ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ክልል ጋምቤላ ተዓቒቦም ንዝርከቡ ስደተኛታት ደቡብ ሱዳን ንኽውዕል ፕሮግራም ምግቢ ዓለም (ደብሊዩኤፍፒ) ዝገበሮ ሓገዝ ንኢትዮጵያ ዝተገበረ ድጋፍ ብዝብል ስኑዕ ሓበሬታ እጋወሐ ይርከብ።
መንግስቲ ሩሲያ ከምዝሓበሮ ፕሮግራም ምግቢ ዓለም ዝገበሮ 1 ሺሕን 632 ቶን ሓገዝ ስርናይ ኣብ ኢትዮጵያ በፂሑ ዝብል ኢዩ።
እቲ ሓቂ እዚ ኮይኑ እናሃለወ ብሓደሓደ መራኸብቲ ሓፋሽን ማሕበራዊ ሚዲያን እናተጋወሐ ዝርከብ ሓበሬታ ስኑዕ ከምዝኾነ ተረጋጊፁ።
ናይ ሩሲያ ሓገዝ ኣብ ኣዳማ እንትበፅሕ ኣምባሳደር ሩሲያ ኣብ ኢትዮጵያ የቭጌኒ ተረክሂን ብምርካብ ንዳይሬክተር ፕሮግራም ምግቢ ዓለም ኣብ ኢትዮጵያ ኣረኪቦም ኢዮም።
ፕሮግራም ምግቢ ዓለም ኣብ ክልል ጋምቤላ ዝርከቡ ስደተኛታት ደቡብ ሱዳን ብሕፅረት ገንዘብ ምኽንያት 60 ሚኢታዊ ሰብኣዊ ሓገዝ እናረኸቡ ከምዝነበሩ ብምግላፅ፤ ሩሲያ ዝገበረቶ ሓገዝ ስርናይ ልዑል ዓቕሚ ከምዝፈጥር ኣፍሊጡ፡፡