ሩሲያ ንቻይና ተቕርቦ መጠን ፍርያት ጋዝ ክተዕቢ ኢያ

ኣዲስ ኣበባ፣ 25 ታሕሳስ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ሩሲያ ንቻይና ትሸጦ ፍርያት ጋዝ መጠን ቀረብ ክተዕቢ ምዃና ኩባኒያ ኣቕራቢ ነዳዲ ሩሲያ ፕሮም ኣፍሊጡ።

ዋና ፈፃሚ ስራሕ እቲ ኩባኒያ ኣሌክስ ሚለር ከምዝሓበሩዎ÷ ኣብቲ ዝተዛዘመ ዓመተ ምህረት ፈረንጂ 2022 ቤጂንግ ካብ ዝሓተተቶ ውዕሊ ነዳዲ፤ ሞስኮ ነዳዲ እናቕረበት ምፅናሓ ኣልዒሎም፡፡

ሩሲያ ጋዝ ንምቕራብ ብዝኣተወቶ ውዕሊ መሰረት ከም ኣቆፃፅራ ኣውሮፓውያን 31 ታሕሳስ ጀሚሩ ናብ ቻይና ምልኣኽ ምጅማራ ዝሓበሩ እቶም ፈፃሚ ስራሕ÷ ካብ 1 ጥሪ ጀሚሩ ጋዝፕሮም ተወሳኺ ጋዝ ናብ ቻይና ንምቕራብ ኣብ ምድላው ከምዝርከብ ገሊፆም፡፡

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrgna

Comments (0)
Add Comment