ሩሲያ ንሰሜን ኮሪያ ኣፅዋር ኲናት ከትልእኽ ከምእትኽእል ፕሬዚዳንት ፑቲን ተዛሪቦም

ኣዲስ ኣበባ፣ 14 ሰነ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ምዕራባዊያን ንዩክሬን ከምዘዕጥቑዋ ማዕረ፥ ሩሲያ ንሰሜን ኮሪያ ኣፅዋር ኲናት ከትልእኽ ከምእትኽእል ፕሬዚዳንት እታ ቭላድሚር ፑቲን  ተዛሪቦም።

ኣብ ቬትናም ምስ ጋዜጠኛታት ፃንሒት ዝገበሩ እቶም ፕሬዚዳንት፥ ምዕራባዊያን ውድብ ሕቡራት መንግስታት ኣብ ልዕሊ ሰሜን ኮሪያ ዘንበሮ ማዕቐብ  ብምቅዋም ሚሳኤላት ኒውክሌርን ባላስቲክን ሰሪሓ ኢያ ብዝብል ዘግለልዋ ሃገር ከምዝኾነት ሓቢሮም።

ምዕራባውያን ኣብ መንጎ ሞስኮን ፒዮንግያንግን ክብ እናበለ ዝመፅአ ርክብ ዘተሓሳስቦም ከምዝኾነ አወን ገሊፆም።

ስለዝኾነ ሩሲያ ምስ ምዕራባውያን እወንታዊ ርክብ ንዘይብለን ሃገራት ኣፅዋር ኲናት ክተቕርብ ከምእትኽእል መጠንቀቕታ ምሃቦም ይዝከር።

ኣብ ቀረባ እዋን ኣብ ዝሃብዎ ርእይቶ፥ ሰሜን ኮሪያ ካብ ሩሲያ ኣፅዋር ኲናት ካብ ዝቕበላ ሃገራት ሓንቲ ክትከውን ትኽእል ኢያ ኢሎም ምንባሮም ብምዝኽኻር ኢንዲያ ቱዴይ ፀብፂቡ።

Comments (0)
Add Comment