ሩሲያ ናብ ኣውሮፓ ትገብሮ ቀረብ ጋዝ ዳግም ክትጅምር ኢያ

ኣዲስ ኣበባ፣ 17 ታሕሳስ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ሩሲያ ብወገን መስመር ጋዝ ያማል- ኣውሮፓ ኣቢላ ናብ ኣውሮፓ ትገብሮ ቀረብ ጋዝ ዳግም ከምትጅምር ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር እታ ሃገር ኣሌክሳንደር ኖቫክ ገሊፆም።

ኣብ ኣውሮፓ ሕፅረት ጋዝ ከምዝቐፀለ ዝሓሩ እቶም ምክትል ቀዳማይ ሚኒትር÷ ኣብቲ ቦታ ዘሎ ዕዳጋ ጠቓሚ ከምዝኾነን ቀረብ ክቕፅል ናይ ምግባር ዕድል ከምዘሎን ንኣገልግሎት ዜና እታ ሃገር ተዛሪቦም።

መስመር ጋዝ ያማል- ኣውሮፓ ብፖለቲካዊ ምኽንያት ክሳብ ሕዚ ኣገልግሎት እንተይሃበ ምፅንሑ ፀሪሖም፡፡

ሞስኮ በዓል ዋና ክፍሊ ፖላንድ ያማል- ኣውሮፓ ኣብ ዝኾነ ትካል ማዕቐብ ድሕሪ ምንባራ÷ ዋና ኣቕራቢ ፕሮግራም ጋዝ  እታ ሃገር ብወገን ፖላንድ ጋዝ ክልእኽ ከምዘይኽእል ምፍላጡ ፀብፃብ ሬውተርስ የመላኽት።

“ኣብዚ ዓመት ናብ ኣውሮፓ ዝግበር ቀረብ ፈሳ ተፈጥሮ ብልዑል ኩነታት ክነዕቢ ክኢልና ኢና” ዝበሉ ኖቫክ÷ ኣብ 2022 ሞስኮ 21 ቢሊየን ኪዩቢክ ሜትር ፈሳሽ ጋዝ ተፈጥሮ ናብ ኣውሮፓ ክትልእኽ ኢያ ኢሎም ትፅቢት ከምዝገብሩ እውን ገሊፆም።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrgna

Comments (0)
Add Comment