ሩሲያ ቫይረስ ኮሮና ንምክልኻል ዝሕግዝ መሳርሒታት ሕክምና ናብ ኣሜሪካ ልኢኻ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 23 መጋቢት፣ 2012 (ኤፍ ቢ ሲ)ሩሲያ ኣብ ኣሜሪካ እናተባርዐ ዝርከብ ቫይረስ ኮሮና ንምክልኻል ዝሕግዛ መሳርሒታት ሕክምና ዝሓዘት ኣውሮፕላን ናብታ ሃገር ልኢኻ።

ሩሲያ እቶም መሳርሒታት ክትልእኽ ዝኸኣለት፥ ፕሬዚዳንት ሩሲያ ቭላድሜር ፑቲን ምስ ፕሬዚዳንት ኣሜሪካ ዶናልድ ትራምፕ ብስልኪ ድሕሪ ምዝታዮም ኢዩ።

ኣብ ኣሜሪካ ዝርከብ ኤምባሲ ሩሲያ፥ እቲ ሓገዝ ብምኽንያት እቲ ለበዳ ሕማም ኣብ ኣሜሪካ ህይወቶም ዝሓልፍ ሰባት ንክንኪ ንምግባር ከምዝኾነ ገሊፁ።

እታ ኤኤች124 ዝዓይነታ ዓባይ ፀዓኒት ኣቑሑት ኣውሮፕላን፥ መሸፈኒ ገፅ (ማስክ) ሓዊሱ ካልኦት መሳርሒታት ሕክምና ሒዛ ናብ ኣሜሪካ ጉዕዞ ከምዝጀመረት ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ሩሲያ ኣፍሊጡ።

ኣብ ኣሜሪካ በዝሒ ብቫይረስ ኮሮና ዝሞቱ ሰባት ካብ ኣሜሪካ ብምብላፅ ልዕሊ 4 ሺሕ ከምዝበፅሐን በቲ ቫይረስ ዝተለኸፉ ሰባት ካብ ዓለም ዝለዓለ ቁፅሪ ከምዝሓዘን ተገሊፁ።

ፍልፍል፡- ፎክስኒውስ

 

Comments (0)
Add Comment