ሩሲያ ምዕራባውያን ዝኣተዉዎ ቃል “ማዕቐብ ሎጂስቲክስ” ኣየልዐሉን ክትብል ከሲሳ

ኣዲስ ኣበባ፣ 2 ጳጉሜን፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ሩሲያ እኽሊን መዳበሪያን ናብ ዕዳጋ ዓለም ንኽተቕርብ ምዕራባውያን ዝኣተዉዎ ቃል ኣየኽበሩን ክብሉ ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ሩሲያ ሰርጌ ላቭሮብ ኮኒኖም።

ምዕራባውያን ኣብ ልዕሊ ዓለም ለኸ ማሕበረሰብ ዘንፀላለወ ቅልውላው ቀረብ እኽሊ ንምቅላል ብኣደራዳራይነት ውሕመን ቱርኪን ፍርያት እኽሊ ዩክሬን ብወገን ፀሊም ባሕሪ ናብ ዕዳጋ ዓለም ንኽቐርብ ኣብ ስምምዕነት በፂሖም ነይሮም።

ምስ እዚ ተተሓሒዙ ድማ ሩሲያ እኽሊን ዘበናዊ ዱኽዒ (መዳበሪያ)ን ናብ ዕዳጋ ዓለም ንኽተብፅሕ ኣብ ስምምዕ ይብፅሑ እምበር እዚ ኣየኽበሩን ክብሉ ወቒሶም።

ኣብ ቱርኪ ኢስታንቡል ዝተበፅሐ ስምምዕነት ወደብ ፀሊም ባሕሪ ንኽኽፈትን ካብ ዩክሬን ብወፃኢ ንግዲ ዝለኣኽ ቀረብ እኽሊ ንኽቕፅል ኢዩ፡፡

ምዕራባውያን ግን ብዋና ፀሓፊ ውድብ ሕቡራት መንግስታት ኣንቲኒዮ ጉተሬዝ ኣቢሎም ዝኣተዉዎ ቃል ከምዘየኽበሩ እቶም ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ስምዕተኦም ኣቕሪቦም።

እኽሊ ሩሲያን መዳበሪያን ናብ ዕዳጋ ዓለም ከየኣቱ ዝኽልክል “ማዕቐብ ሎጂስቲክስ” ኣየልዐሉን ኢሎም ሰርጌ ላቭሮብ፡፡

እቶም ሚኒትር ምስ ታይላንድ መዘነኦም ዶን ፕራሙድዊናይ ኣብ ዝሃቡዎ ሓበራዊ ጋዜጣዊ መግለፂ፥ ውሕመ ኣብ ኢስታንቡል ዝተበፅሐ ስምምዕነት መሰረት ብምግባር ግቡኡ ንኽዋፃእ ምሕታቶም ኣርቲ ፀብፂቡ፡፡

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com

Comments (0)
Add Comment