ሩሲያ ምስ ኢትዮጵያ ኣብ ዝተፈላለዩ ዓውዲታት ዘለዋ ምትሕብባር ከምተጠናኽር ገሊፃ

ኣዲስ ኣበባ፣ 18 ሚያዝያ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ኢትዮጵያን ሩሲያን ኣብ ዓውዲ ሳይንስ፣ ቴክኖሎጂን ትምህርቲን ብምትሕብባር እናሰርሓ ከምዝኾና ኣምባ ሳደር ሩሲያ ኣብ ኢትዮጵያ ይቭጌኒ ተረኺን ተዛሪቦም፡፡

እቶም ኣምባሳደር ንፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት ከምዝገለፁዎ÷ ኢትዮጵያን ሩሲያን ኣብ መፅናዕቲን ምርምርን ህዋ ሳይንስ፣ ኣጠቓቕማ ሓይሊ ኒውክሌር፣ መፅናዕቲ ስነ-ህይወትን ካልኦት ዓውዲታትን ብሓባር እናሰርሓ ይርከባ።

ክልተአን ሃገራት ብፍላይ ኣበ ዘፈር መፅናዕቲ ስነ-ህይወትን ን40 ዓመታት ብሓባር እናሰርሓ ከምዘነበራ ዝሓበሩ እቶም ኣምባሳደር÷ ብዝተገበሩ ምርመራት ስነ-ህይወት ብዙሓት ውፅኢታት ከምዝተመዝገቡ ፀሪሖም፡፡

ሞስኮ ኣብ ቀረባ እዋን ኣብ ኢትዮጵያ ማእኸል መፅናዕቲ ስነ-ህይወት ንምጥያሽ ከምዝሓሰበትን እቲ ማእኸል ንምህናፅ ዘኽእል ስምምዕነት ከምዝግበርን ኣብሪሆም፡፡

ከም ኣቆፃፅራ ኣውሮፓውያን 2019 ኢትዮጵያን ሩሲያን ኣብ ኣጠቓቕማ ሓይሊ ኒውክሌር ስምምዕነት ከምዝተፈራረማን ኣብቲ ዓውዲ ጭቡጥ ተግባራት ከምዝተሰርሑን ኣልዒሎም፡፡

እቲ ስምምዕነት ድማ ኢትዮጵያ ኣብ ዓውዲታት ሕክምና፣ ሕርሻን ካልኦትን ዘፈራትን እናሰርሐቶም ትርከብ ምንቅስቓሳት ንኽተስልጥ ፅቡቕ ዕድል ዝፈጥር ከምዝኾነ ገሊፆም፡፡

ብወንደሰን ኣረጋኸኝ

#Ethiopia

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube    

Comments (0)
Add Comment