ኣዲስ ኣበባ፣ 5 ሓምለ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ሩሲያ ምስ ኢትዮጵያ ኣብ ዓውዲታት ሳይንስን ቴክኖሎጂን ብሓባር ንምስራሕ ቆራፅ ከምዝኾነት ኣካቢ ኮሚቴ ምትሕብባር ኢኮኖሚ ሪሲያ-ኣፍሪካ ሴናተር ኢጎር ሞሮዞቭ ገሊፆም።
ካልኣይ መድረኽ ዘተ ቅድመ ጉባኤ ኢኮኖሚ ሩሲያ-ኣፍሪካ ላዕለዎት ሰብ መዚ ሩሲያ፣ ተወከልቲ ማሕበረሰብ ንግዲን ኣመራርሓታት ቤት ምኽሪ ዘፈር ማሕበረሰብን ኣብ ዝተረኸቡሉ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ይሳለጥ ኣሎ፡፡
ሴናተር ኢጎር ሞሮዞቭ÷ ሩሲያ ኣብ ዓውዲታት ትምህርቲ፣ ንግዲን ኢንቨስትመንትን ምስ ኢትዮጵያ ብምትሕብባ ምስራሕ ከምትደሊ ኣብቲ መድረኽ ቅድመ ምይይጥ ኣልዒሎም፡፡
ሩሲያ ኣብ ዓውዲ ምርምር ጠፈር ዘለዋ ልምዲ ንኢትዮጵያ ንምክፋል ድልውቲ ከምዝኾነት እውን ኣረጋጊፆም።
“ኮሚቴ ምትሕብባር ኢኮኖሚ ሩሲያ-ኣፍሪካ ኣብ ኣፍሪካ ካብ ዘለዉዎ ኣርባዕተ ቤት ዕዮታት ሓደ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ምኽፋቱ ሩሲያ ምስ ኢትዮጵያ ዘለዋ ምትሕብባር ንግዲን ኢኮኖሚን ናብ ዝለዓለ ብርኪ ንምስግጋር ቆራፅ ምዃና ዘርኢ ኢዩ” ኢሎም።
ኩባንያታት ሩሲያ ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ተሽከርከርቲ፣ ትራክተርን ካልኦት መሳርሒታት ሕርሻ ምፍራይን ምግጥጣምን ብምውፋር ልምዓት ኢኮኖሚ እታ ሃገር ንምሕጋዝ ድሉዋት ከምዝኾኑ ሴናተር ኢጎር ገሊፆም።
ብወንድወሰን ኣረጋሀኝ
እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦
ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana
ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/
ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision
ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/…
ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com