ሩሲያ መተሓላለፊ መስመር ፍሪያት እኽሊ ፀሊም ባሕሪ ዓፂያ

ኣዲስ ኣበባ፣ 22 ጥቅምቲ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ሩሲያ ፍሪያት እኽሊ ናብ ዕዳጋ ዓለም እትልእኸሉ መስመር ፀሊም ባሕሪ ዳግም ዓፂያ።

እቲ መስመር ዝዓፀወትሉ ምኽኒያት፥ ዩክሬን ንመተሓላለፊ ፍሪያት እኽሊ ዝተፈቐደ መስመር ንወተሃደራዊ መንቅስቓስ ኣገልግሎት ተውዕሎ ኣላ ብዝብል ከምዝኾነ ተሓቢሩ።

ኣብ ዝሓለፈ ዕለተ ቀዳም ሰብ ኣልባ ኣውሮፕላን ኣብቲ ወደብ ባሕሪ ዘንቀሳቐሱ ዝነበሩ መርከባት ሩሲያ መጥቃዕቲ ምፍፃማ ሩሲያ ኣፍሊጣ።

እቶም መራኸብ ኣብቲ ባሕሪ ዳህሳስ ዝገብሩ እንትኾኑ፥ በዝተፈፀመ መጥቃዕቲ ጉድኣት ከምዘጋጠሞም ተገሊፁ።

እቲ ውሳነ ስዒቡ ኣብቲ ኮሪደር ምንም ዓይነት ምንቅስቓስ ምግባር ከምዘይከኣል ሚኒስቴር ምክልኻል ሩሲያ ኣፍሊጡ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

 

 

Comments (0)
Add Comment