ሩሲያን ኣሜሪካን ሓዊሱ ኤምባሲታት 18 ሃገራት ንበዓል መስቀል መልእኽቲ እንኳዕ ኣብፀሐኩም ኣመሓላሊፈን

ኣዲስ ኣበባ ፣ 17 መስከረም፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ሩሲያን ኣሜሪካን ሓዊሱ ኤምባሲታት 18 ሃገራት ንበዓል መስቀል መልእኽቲ እንኳዕ ኣብፀሐኩም ኣመሓላሊፈን።

ኤምባሲ ሩሲያ ኣብ ኢትዮጵያ፥ ንኣሕዋትን ኣሓትን ኢትዮጵያውያን እቲ በዓል ናይ ሓጕስ በዓል ንኽኾን ተመንዩ።

ኤምባሲ ኣሜሪካ ኣብ ኢትዮጵያ ብግድኡ፥ በዓል መስቀል በዓል ሰላምን ደስታን ንኽኾን ሰናይ ትምኒቱ ገሊፁ።

ካናዳ፣ ህንዲ፣ እስራኤል፣ ዩናይትድ ኪንግደም፣ ፈረንሳይ፣ ጣልያን፣ ጀርመን፣ ኔዘርላንድስ፣ ዴንማርክ፣ ስዊዘርላንድ፣ ግብፂ፣ ሞሮኮ፣ ኣልጄሪያ፣ ኢራን፣ ፓኪስታንን ሜክሲኮን መግለፂ ሰናይ ትምኒት በዓል መስቀል ዝገለፃ ሃገራት እየን።

በዓል መስቀል ኣብ መላእ ኢትዮጵያ ብዝተፈላለዩ ሃይማኖታዊን ባህላዊ ስነ ስርርዓታት ብተኸተልቲ እምነት ክርስትና ብድምቀት እናተኸበረ ይርከብ።

ትማሊ እውን ዳሜራ መስቀል ኣብ መላእ ሃገሪቱ ብድሙቕ ስነ ስርአት ከምዝተኸበረ ይፍለጥ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com

Comments (0)
Add Comment