ሩሲያን ኢራንን ኣብ ዓውዲ ንግዲ ዘለወን ምትሕብባር ብዝበለፀ ከጠናኽራ ከምዝደልያ ገሊፀፀን

ኣዲስ ኣበባ፣ 30 ሓምለ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ሩሲያን ኢራንን ኣብ ዓውዲ ንግዲን ኢንቨስትመንትን ዘለወን ምትሕብባር ብዝበለፀ ከጠናኽራ ከምዝደልያ ገሊፀፀን።

ሚኒስትር ልምዓት ኢኮኖሚ ሩሲያ ዲሚትሪ ቮላቫች ሩሲያን ኢራንን ኣብ ዓውዲ ንግዲን ኢንቨስትመንትን ዘለወን ምትሕብባር ብዝበለፀ ምዕባይ ኣብ ዝኽእላሉ ኩነታት ጠሚቶም ምስ ኣመራርሓታት ኢራን ተዛቲዮም፡፡

ኣብ ዘተኦም ድማ÷ እተን ሃገራ ኣብ ናፃ ዞባ ንግዲ ዘለወን ምትሕብባር ብዝበለፀ ንምጥንኻር ድሌት ከምዘለዎም ኣመልኪቶም፡፡

ክልተኣዊ ርክብ ንግዲ ሞስኮን ቴህራንን ናይ ምጥንኻር ድሌት ብምዕራባውያን ዝተነበረሎም ማዕቐብ ንምምካት ኣብ ግምት ዘእተወ ከምዝኾነ እውን ተሓቢሩ፡፡

ኣብ ሩሲያን ሃገራት ክልል ካስፒያን ማን ሰሜን-ደቡብ ዓለም ለኸ ኮሪደር ትራንስፖርትን ዘሎ ምንቅስቓስ ንግዲ ንምቅልጣፍ ከምዘኽእል እውን ተገሊፁ፡፡

ምትሕብባር ኢኮኖሚ፣ ትራንስፖርትን ሎጂስቲክስን ክልቲአን ሃገራት ምጥንኻር÷ ካብ ምዕራባውያን ዝመፅአን ፅዕንቶ ኣብ ምንሕናሕን ርኡይ ግደ ከምዘለዎ ኣርቲ ፀብፂቡ፡፡

Comments (0)
Add Comment