ሩሲያን ኢራንን ኣብ ክልተኣዊን ዓለም ለኻኻ ጉዳያት ዘቲየን

ኣዲስ ኣበባ፣ 30 ሓምለ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ትማሊ ናብ ኢራን ቴህራን ዝኣተዉ ሓላፊ ቤት ፅሕፈት ቤት ምኽሪ ፀፅታ ሩሲያ ሰርጌይ ሾይጉ ኣብ ዝተፈላለዩ ክልተኣዊን ዓለም ለኻኻ ጉዳያት ምስ ሰብ መዚ ቴህራን ተዛቲዮም።

ሾይጉ ምስ ላዕለዋይ ኣዛዚ እስላማዊ ኣብዮታዊ ዘብዒ ጓድን ላዕለዋይ ፀሓፊ ቤት ብሄራዊ ምኽሪ ኢራን ሪር ኣድሚራልን ኣሊ ኣክባር ኣሕመድ ተራኺቦም ተዛቲዮም ታባሂሉ።

ሰርጌይ ሾይጉ ካብዚ ብተወሳኺ÷ ምስ ፕሬዚዳንት ኢራን ማሱድ ፔዜሽኪያንን ላዕለዋይ ወታደራዊ ኢታማዦር ሹም ኢራን መሓመድ ባገሪ እውን ተዛቲዮም።

ኣብ ዘተኦም ድማ “ሩሲያ ኣብ ኣፀጋሚ እዋናት ኣብ ጎኒ ህዝቢ ኢራን ጠጠው ካብ ሞንጎ ዝበላ ሃገራት ሓንቲ ኢያ” ክብሉ ፔዜሽኪያ ምምስጋኖም ፀሪሑ ሬውተርስ ፀብፂቡ፡፡

Comments (0)
Add Comment