ኣዲስ ኣበባ ፣ 13 ሓምለ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ቤት ምኽሪ ንግድን ዘፈር ማሕበራትን ክልል ትግራይ ምስ ላዕለዎት ኣመራርሓ ኢንሼቲቭ ኣፍሪካ፣ ቻምበር ኣዲስ ኣበባ ሎሚ መዓልቲ ይዛተ ኣሎ።
ኣብቲ መድረኽ ዘተ፥ ካብ ዝተፈላለያ ባንኪታት፣ ኣብ ሪል እስቴት ዝተዋፈሩ ሰብ ሃፍቲ፣ ኣምፃእትን ለኣኽትን እውን ይሳተፉ ከምዘለዉ ተገሊፁ።
“ረብሓ ማሕበረሰብ ንግዲ ንዳግመ ሕውየት ትግራይ” ብዝብል መሪሕ ሓሳብ ዝሳለጥ ዘሎ እቲ መድረኽ ዘተ፥ ኣብ መቐለ ሆቴል ኣኽሱም ኢዩ ዝካየድ ዘሎ።
ኣብቲ ዘተ ዝተረኸቡ ርእሰ ምምሕዳር ግዚያዊ ምምሕዳር ኣይተ ጌታቸው ረዳ፥ ቅድሚ ኩሉ ኣብ ዳግመ ህንፀት ትግራይ እጃምና ክንፃወት ኣለና ኢልኩም ብምምፃእኹም ክትምስገኑ ይግባእ ኢሎም።
ኣብ ትግራይ ብሰንኪ ዝነበረ ኲናት ዝበፀሐ ሰብኣውን ንዋታውን ዕንወት ብመጠን፣ ዓይነትን ዕሙቀትን ብምርዳእ ህዝብና ብኸመይ ክንሕግዝ ንኽእል ኣብዝብል እንተድሂብና ኣብ ዳግመ ህንፀት ትግራይ ዝሐሸ ትርጉም ዘለዎ ንጥፈታት ክግበር ከምዝኽእል ገሊፆም።
ሐዚ ትኹረት ክግበረሉ ዝግባእ ነጥቢ ኢንሼቲቭ ኣፍሪካ ምስ ቤት ምኽሪ ንግድን ዘፈር ማሕበራትን ትግራይ ኣብ ዳግመ ህንፀት ክትገብሩዎ ዝግባእ ኣበርክቶ ዕዙዝ ምስምዃኑ ፃዕርኹም ኣሐይልኩም ክትቅፅሉ ኣለኩም ብምባል መልእኽቶም ምምሕልላፎም ኣብ ቤት ፅሕፈት ግዚያዊ ርእሰ ምምሕዳር ክልል ተግራይ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።
እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦
ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana
ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/
ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision
ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna
https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!
ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት
https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።