ኣዲስ ኣበባ፣ 16 ግንቦት፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ብሄራዊ ረብሓ ሃገር ኣብ ሓደጋ ዘውድቑ ዘይሕጋውያን ኣካላት ካብ ተግባሮም ንኽዕቀቡ ሚኒስቴር ንግዲን ዞባዊ ምትእስሳርን ኣተሓሳሲቡ።
ካብ ተረባሕነት ህዝቢን ሃገርን ብዝተፃረረ መልክዑ ውልቃዊ ረብሐኦም ጥራሕ ንምርግጋፅ ፃዕሪ ዝገብሩ ዘይሕጋውያን ኣካላት እናተበራኸቱ ከምዝኾኑ ዝሓበረ እቲ ሚኒስቴር፥ “እዚ ድማ እታ ሃገር ዝተረጋገአ ዋሕዚ ኢኮኖሚ ከይህሉ ግሩ ኢዩ” ኢሉ፡፡
እቲ ሚኒስቴር ስርዓት ዕድጊት ኣብ ዘበናዊን ውድድርን ዝተመርኮሰ ብምግባር ኣንፃራዊ ተረባሕነት ሃገርን ህዝቢን ንምርግጋፅ ብዙሓት ተግባራት እናሳለጠ ከምዝኾነ ገሊፁ፡፡
ይህንን ያልተገባ ድርጊት ለማስቆም ሚኒስቴር መስሪያ ቤቱ የተለያዩ የአሰራር ስርዓቶችን በመዘርጋት ላይ ሲሆን÷ የዚህ ሕገ ወጥነት ተዋንያን የሆኑ አካላት ከወዲሁ ከድርጊታቸው ሊቆጠቡ እንደሚገባ አሳስቧል
ዘይተገብኡ ተግባራ ንምቁፅፃር እቲ ሚኒስቴር ቤት ዕዮ ዝተፈላለዩ ስርዓት ኣሰራርሓታት እናዘርገሐ ከምዝኾነ ዝሓበረ እንትኸውን፥ ኣብቲ ዘይሕጋዊ ተግባር ተዋሳእቲ ዝኾኑ ኣካላት ካብ ተግባሮም ንኽዕቀቡ ምትሕስሳቡ ካብቲ ሚኒስቴር ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡