ረብሓታት ጥዕና ሸዊት ዕፉን

ኣዲስ ኣበባ፣ 6 ሓምለ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ሸዊት ዕፉን ምምጋብ ካብ ስሩዕ ረብሓ ምግቢ ብተወሳኺ ብዙሓት ረብሓታት ጥዕና ከምዘለዉዎ ሰብ ሞያ ጥዕናን ስነ-ምግቢን ይገልፁ።

ዕፉን ብፋይበር ዝማዕበለ ብምዃኑ፥ ዕፉን ምምጋብ ንድርቀት ከብዲን ተተሓሒዞም ክስዕቡ ዝኽእሉ ከም ሕማም ኪንታሮት ከምኡ እውን ንሕማም ካንሰር መሃንቱስ ናይ ምቅላዕ ዕድል ከምዝንኪ ተሓቢሩ፡፡

ዕፉን ንጥንካረ ኣዕፅምቲ ኢሉ እውን ንጥዕና ልቢ ረብሓ ዘለዎም ፎስፎረስን ማግኒዢየምን ዝተብሃሉ ንጥረ ነገራት ብእኹ መጠን ከምዝሓዘ እውን ሰብ ሞያ ጥዕናን ስነ-ምግቢን ይብሩ፡፡

ሸዊት ዕፉን ብቫይታሚን ቢ ብፍላይ ዝማዕበለ ብምዃኑ፥ ንጥዕና ነርቭ ወሳኒ ታራ ከምዝፃወት ተገሊፁ፡፡

ዕፉን ባህሪ “አንቲኦክሲደንት” ስለዘለዎ፥ ካንሰር ናይ ምክልኻል ዓቕሚ ከምዘለዎ እውን ሰብ ሞያ ጥዕና ይገልፁ፡፡

ዕፉን ምምጋብ ንጥዕና ዓይኒ፣ መጠን ሽኮር ደም ንምቁፅፃር፣ ኣኒሚያን “ምንኣስ ደም” ንምሕካም፣ ከምኡ እውን ንሰውነትና ኣድለይቲ ዝኾኑ ኣሚኖ ኣሲዳት ንኽረክብን ኣመጋግባና ካብ “ግሎተን” ናጻ ንምግባርን ዝምከር ምግቢ ኢዩ።

100 ግራም ዝጠበሰ ቢጫ ዕፉን ኣብ ውሽጡ፣ 96 ካሎሪ፣ 73 ሚኢታዊ ማይ፣ 3 ነጥቢ 4 ግራም ፕሮቲን፣ 21 ግራም ካርቦሃይድሬት፣ 4 ነጥቢ 5 ግራም ሽኮር፣ 2 ነጥቢ 4 ግራም ፋይበር ከምኡ እውን 1 ነጥቢ 5 ግራም ቅብኣት ከምዝሕዝ ካብ መርበብ ሓበሬታ ኬልዝ ላይን ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com

Comments (0)
Add Comment