ረቂቕ ሕጊ ስነ-ስርዓት ገበንን መረዳእታን ብመንፅር ሰብኣዊ መሰላት ክመሓየሽ ይግባእ – ኢሰማኮ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 4 ጥሪ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትጵያ (ኢሰመኮ) ናብ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ዝቐረቡ ብዙሓት ብዙሓት ድንጋገታት ረቀቕቲ ሕጊ ስነ-ስርዓት ገበንን መረዳእታን ብመንፅር መምርሒታት ሰብኣዊ መሰላት ክመሓየሹ ከምዝግባእ ገሊፁ።

እቲ ኮሚሽን ሎሚ መዓልቲ ዕላዊ ኣብ ዝገበሮ ፀብፃብ፥ ኣብ ዝተወሰኑ ነጥቢታት ምምሕያሽ ንኽግበር ኣተሓሳሲቡ፡፡

መርማሪ ፖሊስ ተጠርጣሪ ንመሓዝ፣ ንብርበራን ሜላ ምርመራ ገበንን ሓይሊ ክጥቀም ዝኽእል፤ ጥንቃቐ ብምግባር፣ ሕጋዊነት፣ ጥብቂ ኣድላይነት፣ ተመጣጣናይነትን ኣድልዎ ዘይምግባርን መምርሒ ብዘኽበረ መልክዑን ካሊእ ኣማራፂ መገዲ ዘይብሉ ከምዝኾነ እንትረጋገፅ ጥራሕ ምዃኑ፤ ብመንፅር እዚ ተሓታትነት ዘዕስል ስነ-ስርዓት ብግልፂ ክድንገግ ዝግባእ ምዃኑ፣ ብገበን ተጠርጢሩ ወይ ድማ ዝተትሓዘ ሰብ ከይዲ ኣቀባብላ ቃል ሓዊሱ ኣብ መፅንሒ ወይ ድማ ኣብ እዋን ማእሰርቲ ኢሰብኣዊ ኣተሓሕዛ ከይፍፀምን ተፈፂሙ እንትርከብ ተሓታትነት ንኽህሉ ዘኽእሉ መመሓየሺታት ክካተቱ ይግባእ ኢሉ፡፡

ንመጥቃዕቲ ተቓላዕቲ ዝኾኑ ክፋላት ማሕበረሰብ ብእሱር ኣብ መሓዝ፣ ኣብ ምርመራ፣ ኽሲ ከምኡ እውን ምስክር ኣብ መሃብ ከይዲ ሰብኣዊ መሰሎም፣ ክብሮምን ፍሉይ ድሌቶምን ክኽበሩሎም ዘኽእሉ ምምሕያት ክካተቱ ከምዝግባእ ኣገንዚቡ፡፡

ህፃናት ምስ ኣዴታቶም ዝእሰሩሉ ኩነታት ንምትራፍ ነብሰፁር ንዝኾነት ሰበይቲ ወይ ድማ ትሕቲ ትሽዓተ ዓመት ዝኾነ ህፃን ወይ እውን ትከናኸኖ ጉዱእ ኣካል ቆልዓ ዘለዋ ኣዶ መሰል ዋሕስ ሽዑ ንሽዑ ንኽፍቀደላን ኣብ እዋን ብይን ጥፍኣተኛ እውን ካብ ማእሰርቲ ወጻኢ ዘሎ መቕፃዕቲ ከም መማረፂ ንኽውሰድ ዝብል ነጥቢ ኣቕሪቡ፡፡

ዝኾነ ይኹን ዝተኣሰረ ሰብ ብዝተጠርጠረሉ ወይ ድማ ዝተኸሰሰሉ ገበን ጥፍኣተኛ ኮይኑ እንተተረኺቡ፥ ክወሃቦ ክንዲ ዝኽእል ናይ መወዳእታ ብርኪ መቕፃዕቲ ማእሰርቲ ተኣሲሩ እንተፀኒሑ ሽዑ ንሽዑ ክልቀቕ ከምዝግባእ፡፡

ዘይሕጋዊ ምትሓዝ ወይ ድማ ማእሰርቲ ዝተቓለዐ ሰብ ካሕሳ ዝረኽበሉ ስነ-ስርዓት ክድንገግ ከምዝግባእ ኣብ ዝምልከቱ መማሐየሺታት ክግበሩ ይግባእ ኢሉ፡፡

ሓፈሻዊ ፀብፃብ እቲ ኮሚሽን ልዕሊ 30 ኣብ ዝኾኑ ድንጋገታት ናይ ይመሓየሹ ምኽረ ሓሳባት ምስ መብርሂኦም ዘቕረበ እንትኾን፥ ናብ ቀዋሚ ኮሚቴ ጉዳያት ሕጊን ፍትሒን እቱ ባይቶ ከምኡ እውን ናብ ቤት ፅሕፈት ላዕለዋይ ዓቃቢ ሕጊ ፌዴራል ኣቕሪቡ።

ኮሚሽነር እቲ  ኮሚሽን ዶክተር ዳንኤል በቀለ፥ እቲ ረቂቕ ሕጊ ብዙሓት ጥንኩር ጎኒታት ዘለዉዎ ይኹን እመበር ኣብ ፀብፃባት እቲ ኮሚሽን ዝተመልከቱ ምምሕያሻት እንተተካቲቶም ምስ ዓለም ለኸ ጉቡኣት ሰብኣዊ መሰል ዝተመጣጠነ ሕጊ ምውፃእ ናይግድን  ከምዘድሊ ምግላፆም ካብ ኢሰመኮ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ

ይግበሩ/ራ!

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment