ሞሓመድ ሳላህ ኣብ መወዳእታ እዚ ውድድር ዓመት ካብ ጋንታ ሊቨርፑል ከምዝለቅቅ ኣፍሊጡ

ኣዲስ ኣበባ፣ 27 ነሓሰ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ተፃዋታይ ክፍሊ ምጥቃዕ ጋንታ ሊቨርፑል ሞሓመድ ሳላህ ኣብ መወዳእታ ዓመት ውድድር ዘበን 2024/2025 ካብታ ጋንታ ከምዝለቅቕ ኣፍሊጡ፡፡

ትማሊ ጋንታ ሊቨርፑል ድሕሪ ኣብ ልዕሊ ታሪኻዊት ተናሓናሒታ ማንቼስተር ዩናይትድ ዝተጎናፈቶ ዓወት ንስካይ ስፖርት ኣብ ዝሃቦ ርኢቶ÷ “ኣብ መወዳእታ እዚ ዓመት ካብ ሊቨርፑል ክለቅቕ ኢየ፤ ኩንትራት ክነናወሐልካ ዝበለኒ ኣካል እውን የለን” ኢሉ፡፡

ኣብ መስኮት ዝውውር እዚ ክረምቲ ጋንታ ስዑድ ዓረብ ኣል-ኢቲሃድ ሞሓመድ ሳላህ ንምዝውዋር 150 ሚሊየን ፓውንድ ተቕርብ እምበር ብጋንታ ሊቨርፑል ውድቂ ከምዝተገበረ ይዝከር፡፡

Comments (0)
Add Comment