ም/ከንቲባ ኣዳነች ኣቤቤን ላዕለዎት ኣመራርሓታት እታ ከተማን ኣብ እዋናዊ ጉዳያት ኣድሂቦም ምስ ነበርቲ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ተዛቲዮም

ኣዲስ ኣበባ፣ 13 መስከረም፣ 2013 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ምክትል ከንቲባ ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኣዳነች ኣቤቤን ላዕለዎት ኣመራርሓታት እታ ከተማን ኣብ እዋናዊ፣ ሃገራዊን ከተማ ተንከፍ ጉዳያትን ኣድሂቦም ካብ ዓሰርቲአን ክፍለ ከተማታት ከተማ ኣዲስ ኣበባ ምስ ዝተውፃእፅኡ ክፋላት ሕብረተሰብ ተዛቲዮም።

ኣብቲ ዝተሳለጠ ዘተ፥ ብመዓርግ ምክትል ከንቲባ መተሓባበሪ ግልጋሎት ወሃብቲ ትካላት መንግስቲ ኣይተ ጃንጥራር ኣባይ፣ ሓላፊ ቤት ፅሕፈት ፓርቲ ብልፅግና ኣይተ መለሰ ኣለሙ ከምኡ እውን ላዕለዎት ኣመራርሓታት እታ ከተማ እውን ተረኺቦም።

ኣብ ዝሓለፉ ክልተ ዓመታት ዝነበረ ጉዕዞ ለውጢ ዝተመዝገቡ ዓወታት፣ ዝነበሩ ፈተናታትን እዋናዊ ኩነታትን ኣብቲ እዋን ዘተ ከምዝተገምገሙ ተሓቢሩ።

ተሳተፍቲ እቲ መድረኽ፥ ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ፀግም ሕብረተሰብ ንምፍታሕ ዝወሰዶም ስጉምቲታት ዘለለዎም ኣድናቖት ገሊፆም።

ኣብ ምልዋጥ ናህሪ መነባብሮ፣ ምዕሳል ሰናይ ምምሕዳርን ምርግጋፅ ተረባሕነት ሕብረተሰብን ክስርሑ ኣብ ዝተሓሰቡ ስራሕቲ ዘለዎም ሕቶ ንወይዘሮ ኣዳነቻ ኣቤቤ ኣቕሪቦም።

እተን ምክትል ከንቲባ ብግደአን፥ ነበርቲ ኣብ ምርግጋፅ ሰላምን ፀፅታን፣ ናብራ ሕብረተሰብ ዘበኣእሱ ዘይሕጋዊ ተግባራት ኣቐዲምካ ኣብ ምክልኻልን ኣብ ምምካት ዘይሕጋዊ ወረራ መሬትን ናይ ባዕሎም ተሳትፎ ክገብሩ ከምዝግባእ ኣተሓሳሲበን።

ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ እውን ካብ ሕረተሰብ ዝለዓሉ ቅርታታትን ሓበራታታትን ብኣግባቡ ብምፍታሽ ብልሹው ኣሰራርሓን ስርዓት ኣልቦን ምኽንያት ዝኾኑ ኣካላት ተሓተትቲ ንምግባር ዝተጀመሩ ስራሕቲ ኣጠናኺሩ ከምዝቕፅል ተዛሪበን።

ብብርኪ ከተማ ኣብ ዝሓለፉ ክልተ ዓመታት ሕብረተሰብ ተረባሕቲ ንምግባር ኣብ ዝተሰርሑ ስራሕቲ ናብራ ሕብረተሰብ ብርኡይ መልክዑ ዝልውጡ ብዙሓት ስራሕቲ ከምዝተሰርሑ እውን እቶም ነበርቲ ገሊፆም።

ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ እናተሃነፁ ዝርከቡ ፕሮጀክታት ኢኮኖሚያዊን ማሕበራዊን ተረባሕነት ነበርቲ ካብ ምርግጋፅ ሓሊፎም ምስሊ እታ ከተማ ኣብ ምልዋጥ እውን ርኡይ ብፅሒት ከምዝህልዎም ወይዘሮ ኣዳነች ኣብሪሀን።

ሕብረተሰብ ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ብድሙቕ ኩነታት ዝኽበሩ በዓል መስቀልን ኢሬቻን እንተኽብር ንባዕሉ ካብ ለበዳ ኮቪድ-19 ብምክልኻል ክኸውን ከምዝግባእ እተን ምክትል ከንቲባ ፃውዒት ኣቕሪበን።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

Comments (0)
Add Comment