ኣዲስ ኣበባ፣ 10 ታሕሳስ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ም/ቀ/ሚ ተመስገን ጥሩነህ ኣብ ክልል ኦሮሚያ ከተማ ቢሸፍቱ ኣብ ዘሎ ፋብሪካ መፍረዪ ሓፂነ መፂን ስቲሊ ኣር. ኤም.(STEELY RMI P.L.C) ዑደት ኣሳሊጦም።
እቶም ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር፥ እቲ ፋብሪካ ዘበናዊ ዲጂታል ኣሰራርሓን ተሓዳሲ ሓይሊን ብምጥቃም ቅድመ ሐዚ ዝድርበዩ ዝነበሩ ሓፃዊን መሊሱ ኣብ ረብሓ የውዕል ከምዘሎ ተዛሪቦም።
እዚ ድማ ነዝተፈላለዩ ህንፀታት ከም እታዎት ዘገልግሉ ፍሪያታት ሓፂነ መፂን የፍሪ ምህላዉ ዝነኣድ ኢዩ ኢሎም።