ኣዲስ ኣበባ፣ 28 ታሕሳስ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ተመስገን ጥሩነህ በዓል ልደት ኢየሱስ ክርስቶስ ምኽንያት ብምግባር መልእኽቲ እንኳዕ ኣብፀሐኩም ኣመሓላሊፎም፡፡
እቶም ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትፍ ኣብ ዘመሓለፉዎ መልእኽቲ÷ “በዓል ልደት ኢየሱስ ክርስቶስ ኣምላክ ሰብ ዝኾነሉ በዓል ከምዝኾነ ቅዱሳት መፃሕፍቲ ይነግሩና ኢዮም” ኢሎም፡፡
እዚ ዝኾነሉ ምኽንያት ድማ ወዲሰብ ጉስቁልና ክተርፍ ብምግባር ብዕርቂ ሓዱሽ ህይወት ንመሃብ ከምዝኾነ ብምሕባር፤ እዚ ድማ ፅቡቕ ነገር ንምግባር ናይ ካሊእ ወገን ክንፅበ ከምዘይብልና ዘርኢ ከምዝኾነ ገሊፆም፡፡
እዚ በዓል ልደት ኩልና ምስ ባዕልና ብምትዕራቕ ምስ ናይ ፅባሕ ኢትዮጵያ ንተዓረቕ ብምባል ፃውዒተይ የቕርብ” ክብሉ መልእኽቶም ኣመሓላሊፎም፡፡