ም/ቀ/ሚ ተመስገን ጥሩነህ ምስ ዋና ኢኮኖሚስት  ፋኦ ዘቲዮም

ኣዲስ ኣበባ፣ 7 ነሓሰ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ተመስገን ጥሩነህ ምስ ዋና ኢኮኖሚስት ትካል ምግብን ሕርሻን ውድብ ሕቡራት መንግስታት(ፋኦ) ማክሲሞ ቶሬሮ(ዶክተር) ዘቲዮም።

እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብ ማሕበራዊ ሚዲየኦም ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፥ ኢትዮጵያ ስርዓት ግብርናኣ ንምዝማን ትገብሮ ዘላ ፃዕሪ ናይ ፋኦ ናይ ቴክኒክን ገንዘብን ደገፍ ዘለዎ ኣስተዋፅኦ ልዑል ምዃኑ ኣብቲ ዘተ ምቕራቡ ሓቢሮም።

ኣብ ግብርና ኢትዮጵያ ዝረኣዩ በድሆታት ንምቕራፍን ዘለዉ ዕድላት ምጥቃመን ብዝምልከት ምስቲ ትካል ምስራሕ ኣብ ዘኽእሉ ዛዕባታት ምርድዳእ ከምዝተፈጠረ እወን ሓቢሮም።

ፋኦ ንዓውዲ ግብርና ኢትዮጵያ ዝገብሮ ዘሎ ኩለ መዳይ ደገፍ ብሽም መንግስቲ ፌዴሪኢ አመስጊኖም።

Comments (0)
Add Comment