ም/ቀ/ሚ ተመስገን ካብ ተሓጋዛይነት ንውፃእ ዝብል “ኣብዮት” ክንጉስጉስ ኣለና ኢሎም

ኣዲስ ኣበባ፣ 29 ግንቦት፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ተመስገን ጡሩነህ ካብ ተሓጋዛይነት ንውፃእ ዝብል “ኣብዮት” ክንጉስጉስ ኣለና ከብሉ ኣገንዚቦም።

ተፈጥሮኣዊ ይኹን ሰብ ስራሕ ሓደጋ ዘይተርፍ ኢዩ ብምባል፥ ነዚ ድማ ሓደጋ ብናይ ገዛእ ርእሲ ዓቕሚ ናይ ምምሕዳርን ምሽካምን ዓቕሚ ምጉልባት ከምዝግባእ ኣተሓሳሲቦም።

ሎሚ ኣብ ዘሳለጥናዮ ስሩዕ ኣኼባ ቤት ምኽሪ ምምሕዳር ስግኣት ሓደጋ፥ ሓዱሽ ዝፀደቐ ፖሊሲ ኣመራርሓ ስራሕ ስግኣት ሓደጋ መንጠሪታትን ጉዳያት ትግበራን ዘቲና ኢሎም።

ከምኡውን ትልሚን ኣፈፃፅማ ባጀት ዓመት 2016 ዓ.ም እቲ ቤት እቲ ኣመራርሓ ከምዝገምገሙ ተዛሪቦም።

ስራሕቲ ብሙሉእ ዓቕሚ ንምፍፃም ለውጢ ባህሊ የድሊ ኢዩ ብምባል፥ ነዚ ንምርግጋፅ ድማ ልመና ዝፅየፍ ትውልዲ ምቕራፅ፣ ዝፀንሐ ናይ ምድግጋፍን ምትሕግጋዝን ማሕበራዊ ክብሪ ብምጥንኻርን ብምጉልባትን ባዕልኻ ምኽኣል የድሊ ኢሎም።

ቀንዲ ፀላኢና ዝኾነ ድሕረትን ድኽነትን ምስዓር ንፅባሕ ዘይበሃል ተግባር ከምዝኾነ ኣረዲኦም።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

 

 

Comments (0)
Add Comment