ም/ቀ/ሚ ተመስገን ኣብ ዞባ ጎፋ ብሰንኪ ዘጋጠመ ሃንደበታዊ ሓደጋ ጋህሲ መሬት ህይወቶም ብዝሰኣኑ ወገናት ዝተሰመዖም ዓምዩቕ ሓዘን ገሊፆም

ኣዲስ ኣበባ፣ 16 ሓምለ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ምክትል ቀዳማይ  ሚኒስትር ተመስገን ጥሩነህ ኣብ ክልል ደቡብ ኢትዮጵያ ዞባ ጎፋ ወረዳ ገዜ ቀበሌ ኬንቾ ሻቻ ጎዝዲ ብሰንኪ ዘጋጠመ ሃንደበታዊ ሓደጋ ጋህሲ መሬት ህይወቶም ብዝሰኣኑ ወገናት ዝተሰመዖም ዓምዩቕ ሓዘን ገሊፆም።

በቲ ሓደጋ ጉድኣት ንዘጋጠሞም ኣዝማድን ስድራን እቶም ግዳያት ኩሎም ምፅንዕናዕ እምነ ኢሎም።

ኣብ ቀፃሊ እውን ብምኽኒያት እቲ ሓደጋ ጉድኣት ዘጋጠሞም ዜጋታት መሊስካ እግሪ ንምትካልን ግዳያት እቲ ሓደጋ ንምሕጋዝን መንግስቲ ኣድላዪ ደገፍ ክገብር ኢዩ ኢሎም።

Comments (0)
Add Comment