ም/ቀ/ሚኒስትርን ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢን ኣይተ ደመቀ መኮንን ምስ ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ፊንላንድ ተዛቲዮም

ኣዲስ ኣበባ፣ 8 ታሕሳስ፣ 2013(ኤፍቢሲ)ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትርን ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢን ኣይተ ደመቀ መኮንን ምስ ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ፊነላንድ ፔካ ሃቪስቶ ተዛቲዮም።

ኣይተ ደመቀ መኮንን ብስልኪ ኣብ ዝገበሩዎ ዘተ፥ ኣብ ቀረባ እዋን ኣብ ልዕሊ ጁንታ ዝተወሰደ ወፍሪ ምኽባር ሕጊ ምዝዛሙ ብምዝኽኻር፤ ኣብቲ ክልል እናተኻየደ ዝርከብ ሰብኣዊ ሓገዝ እውን ኣብሪሆም፡፡

ብ ሓይሊ ጥፍኣት ጉጅለ ህወሓት ዝዓነዉ መሰረተ ልምዓታት ናብ ግልጋሎት ንምምላስ መንግስቲ እናካየዶ ዝርከብ ፃዕሪ ዝምልከት እውም ገለፃ ገይሮምሎም፡፡

ብኻሊእ መዳይ ኣብ ሱዳን ዝርከቡ ስደተኛታት ንምምላስ ስራሕቲ እናተሰርሑ ከምዝኾኑ ገሊፆም፡፡

ስደተኛታት እንትምለሱ ኣብ ተግባር ገበን ዝተሳተፉ ኣካላት ከይህልዉ እናተፃረየ ከምዝኾነ ኣገንዚቦም፡፡

ኣይተ ደመቀ ኣብ መወዳእታ ከምዝበሉዎ፥ ሕብረት ኣውሮፓ ኣብ ኢትዮጵያ ዘሎ ሃቂ ከምዝርዳእ ዘለዎም እምነት ገሊፆም፡፡

እቶም ሚኒስትር ብስልኪ ኣብ ዝገበሩዎ ዘተ ኣብ ትግራይ ዘሎ እዋናዊ ኩነታት ብተወሳኺ ብኣዳራዳራይነት ሕብረት ኣፍሪካ እናቐፀለ ዝርከብ ጉዳይ ግድብ ህዳሰ ኣልዒሎም ምዝታዮም እውን ካብ ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment