ምፍራይ ጥራሕ ዘይኮነስ ስርዓት መኻዚን መዕሸጊ ፍርያት ሕርሻ ወሳኒ ኢዩ – ወ/ሮ ፍሬዓለም ሺባባው

ኣዲስ ኣበባ፣ 2 ሕዳር፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ምፍራይ ጥራሕ ዘይኮነስ ስርዓት መኻዚን መዕሸጊ ፍርያት ሕርሻ ወሳኒ ከምዝኾነ ኮሚሽነር ኮሚሽን ሕብረት ስራሕ ኢትዮጵያ ወይዘሮ ፍሬዓለም ሺባባው ገሊፀን።

ስርዓት መኻዚን መዕሸጊ ፍርያት ሕርሻ ንምውዳብ ዘድሃበ መድረኽ ምይይጥ ዓውደ መፅናዕቲ ይሳለጥ ኣሎ፡፡

ወይዘሮ ፍሬኣለም ሽባባው ኣብቲ መድረኽ ኣብ ዝገበረኦ መደረ÷ “ሃገርና መፍረያይነት ምግቢ ንኸዓቢን ውሕስና ምግቢ ንኽረጋገፅን ካብ ንሰርሖም ዓበይቲ ተግባራት፤ ብሄራዊ ስርዓት መኽዘኒ ፍርያታት ሕርሻ ሓንፂፁ ብስትራቴጂ ምምራሕ ሓደ ኢዩ” ኢለን፡፡

መፍረያይነት ንኽውስኽ መሰረተ ልምዓት መኽዘኒ ፍርያት ሕርሻ ወሳኒ ከምዝኾነ ብምሕባር÷ ሓረስቶት ዘፍረዩዎ ዘቐምጡሉ ደረጅኡ ዝሓለወ መኽዚን ከምዘድልዮ ተዛሪበን፡፡

ብምዃኑ ድማ ምፍራይ ጥራሕ ዘይኮነስ ዝፈረየ ፍርያት ክመሓደር ከምዝግባእ ኣገንዚበን፡፡

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrgna

Comments (0)
Add Comment