ምደባ ተምሃሮ ዩኒቨርሲቲ ካብ ሎሚ ፍርቂ ለይቲ ጀሚሩ ዕላዊ ክግበር ኢዩ -ሚኒስቴር ትምህርቲ

ኣዲስ ኣበባ፣ 5 ለካቲት ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ምደባ ተምሃሮ ዩኒቨርሲቲ ካብ ሎሚ ፍርቂ ለይቲ ጀሚሩ ዕላዊ ከምዝግበር ሚኒስቴር ትምህርቲ ኣፍሊጡ።

ኣብ 2014 ሃገር ለኸ ፈተና 12 ክፍሊ ወሲዶም 50 ሚኢታዊን ልዕሊኡን ዘምፅኡ፣ ነቲ ሚኒስቴር ተፀዋዕቲ ኣብ ዝኾኑ ናይ መንግስቲ ዩኒቨርስቲታት ትምህርቶም ንምክትታል ንዘመላኽቱ ተምሃሮ ስሩዕ ቅድመ ምረቓ ምደባ ዩኒቨርሲቲ÷ ካብ 5 ለካቲት 2015 ፍርቂ ለይቲ ጀሚሩ ዕላዊ ከምዝግበር ተገሊፁ፡፡

ዩኒቨርሲቲታት ክሳብ 15 ለካቲት 2015 ዓ.ም ግቡእ ምድላው ብምግባር መርሃ ግብሪ ምቕባል ሓደሽቲ ተምሃሮ ስለዘፍልጡ÷ ኣድላዪ ምድላው ንኽገብሩ እቲ ሚኒስቴር ኣተሓሳሲቡ፡፡

ተምሃሮ ቀፂሎም ብዝተገለፁ ኣማራፂታት ዝተመደቡሉ ትካል ክፈልጡ ከምዝኽእሉ እውን ካብቲ ሚኒስቴር ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡

ብመሰረት እዚ÷ Website፦ https://result.ethernet.edu.et ፤SMS: 9444፤Telegram bot: @moestudentbot

ምስ ምደባ ዝተተሓሓዘ ዝኾነ ይኹን ሕቶ ንምቕራብ፤- ናብ result.ethernet.edu.et ብምእታው Complaint ዝብል ብምጥዋቕ ሕቶ ምቕራብ ከምዝኽእሉ ተገሊፁ።

እቲ ሚኒስቴር÷ ሕቶ ይኹን ስምዕታ ብኣካል ከምዘይቕበል እውን ኣፍሊጡ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrgna

Comments (0)
Add Comment