ምዝገባ ዘበነ ትምህርቲ 2013 ዓ.ም ካብ ፅባሕ ክጅምር ኢዩ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 18 ነሓሰ፣ 2012 (ኤፍ ቢ ሲ)ሚኒስቴር ትምህርቲ ምዝገባ ተምሃሮ ዘበነ ትምህርቲ 2013 ዓ.ም ካብ ፅባሕ 20 ነሓሰ 2012 ዓ.ም ጀሚሩ ከምዝሳለጥ ገሊፁ።

ዳይሬክተር ርክብ ህዝቢ እቲ ሚኒስቴር ወይዘሮ ሃረጓ ማሞ ኣብያተ ትምህርቲ ምዝገባ እንተካይዳ ኮቪድ 19 ንምክልኻል ዝተቐመጡ መከላኸልቲ ብዝግባእ ተግባራዊ ብምግባር ክኸውን ኣለዎ ኢለን።

ትምህርቲ ዝጅመረሉ ዕለት ኣብ ቀፃሊ ብምውሳን ዕላዊ ከምዝግበር እውን ገሊፀን።

ከይዲ ትምህርቲ ቀፃሊ ዓመት ዕዉት ንክኸውን፥ ተምሃሮ፣ መምህራን፣ ወለዲን መላእ ማሕበረሰብ ትምህርቲን ዝመሓላለፉ መልእኽቲታት ብምክትታልን እቲ ቫይረስ ክመሓላለፈሉ ዝኽእል መገዲታት ኣቐዲምካ ብምውጋድን ጥንቃቐ ምግባር የድሊ ተባሂሉ።

ሃገራዊ ፈተና ሻምናይን 12 ክፍሊን ብዝምልከት እቲ ሚኒስቴር ኣብ ቀረባ እዋን ዘፍልጥ እንትኸውን፥ ተምሃሮ እናተዳለዉ ክፀንሑ ከምዝግባእ ተገሊፁ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

Comments (0)
Add Comment