ምዕባለ ሓንቲ ሃገር ምስ ምጉልባት ማሕበራዊ ሓላፍነት ልዑል ምትእስሳር ኣለዎ-ቀ/ሚ ኣቢይ

ኣዲስ ኣበባ፣ 28 ነሓሰ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ምዕባለ ሓንቲ ሃገር ምስ ምጉልባት ማሕበራዊ ሓላፍነት ልዑል ምትእስሳር ከምዘለዎ ቀዳማይ ሚኒስትር ፌዴራኢ ዶክተር ኣቢይ ኣሕመድ ኣፍሊጦም።

እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብ ማሕበራዊ ሚዲያ ፌስ ቡክ ገፆም ከምዝበልዎ፥ ማሕበራዊ ምትእስሳር ትሑት ዝኾነን ሃገራት ንዕብየት ብዙሕ ነገር ይውድኣ ኢየን።

“ጉዕዞ ስልጣነአን ዓንቀፍቀፍ ዝገጥሞ ድማ ብቀንዱ ሓላፍነት ካብ ዘይስምዖም ዜጋታቶም ኢዩ” ክብሉ እውን ገሊፆም።

ዜጋታተን ማሕበራዊ ሓላፍነት ንክስምዖም ኣርኣያ ዝኾኑ ሰባት ኣብ ቅድሚት እንተተሰሪዖም መገዲ ምዕባለ ቅኑዕ ክኸውን ኢዩ ዝበሉ እንትኾኑ፥ “እቲ ኣርኣያነት ድማ ካብ ዘረባ ብዝዘለለ ብተግባር እንትግለፅ እንሓስቦ ውፅኢት ብህፁፅ ምዕዋት ንኽእል ኢና” ክብሉ ኣፍሊጦም።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

https://t.me/tigrignafana

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment